Тёмный
No video :(

ለውጢ ባዕሉ ዲዩ ዝመጽእ ወይስ ብሓይልና ነምጽኦ? 

Mesfin Gebremedhin
Подписаться 798
Просмотров 197
50% 1

ለውጢ ክመጽእ ምስ ደለየ ዲዩ ዝመጽእ ወይስ ነምጽኦ?
መስፍን ደስታ ገብረመድህን
ለካቲት 2024
ለውጢ ብኸመይ ንግለጾ?
ምንቅስቓስ
ዘይዓርፍ፡ ዘይዕገት፡ ዘይቛርጽ፡ ዘይጽዓድ
ምግሃድ ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚታት ፍጥረታትን ነገራትን ምቕሃሞምን ምብቐዖምን ዝካየድ ዕንክሊላዊ መስርሕ እዩ።
ኩሉ ነገራት ይዕዘር እዩ ዘሎ፡ ይንቐሳቐስ ይኸይድ እዩ ዘሎ፡ ቀዋሚ ነገር የለን
ኣንጻር ማዕበል ምሕንባስ ኣይካኣልን
ንለውጢ ከነእንፍት ዓቅምና ክሳብ ክንደይ እዩ?
ኩነታት ዩኒቨርስ (ኣድማስ) - ኣድማስ ብኸመይ ይመሓደር
ግዝፊን ብዝሕን ርሕቀትን ክዋኽብቲ
ግዝፍን ትሕዝቶን ዓለምን ካለኦት ፕላኔታትን
ግዝፍን፡ ብዝሕን ዓቅምን ደቂ-ሰባትን ካለኦት ፍጡራት ዓለምና
ህዋሳዊ ግንዛቤና ድሩትነቱን
ምርዳኣዊ ዓቕምና ድሩትነቱን
ኣነነትን ትምክሕትን
ንለውጢ ከነእንፍት ዓቅምና ክሳብ ክንደይ እዩ?
ምስቲ ዝዕዘር ዘሎ ውሕጅ እናተጋላበጥናን ኣናተላጋዕናን ኣብ እንጎዓዘሉ እዋን፡ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ውሕጅ ደው ከነብሎን ወይ ክንዓግቶን ወይ ክንቀይሶን?
እቲ እንኮ ኣማራጺ ምስቲ ለውጢ ምጉዓዝ ምርዓ ወይ ድማ ኣንጻር እቲ ለውጢ ምልታም እዩ ዝኸውን
እናተላተምና ምስቑርቛርን ነብሰ ምትላልን ምቕጻል ንሱውም ኣካል ናይቲ ውሕጅ እዩ።
ምርጻም ትጽቢታትናን መስርሕ ለውጢ
ትጽቢታትና ዘይምቅያር ህልዋት ኩነታት
መስርሕ ለውጢ ዘይቋርጽ፡ ዘይዕገት፡ ዘይዓርፍ፡ ዘይግራሕ
መስርሕ ሞትን ክትመውት ዘይምድላይን
ብኣነነት ተዓብሊልካ ዘይብጽሒትካ ዘይግበኣካ ሞሳ ወሲድካ ትዕኒን ምባል
እሞ ለውጢ ዘይግራሕ ካብ ኮነስ ብኸመይ ንዛመዶ?
ዓቕምታትና ንደልብ፡
ኣብ ስራሕ ንጸመድ፡
ንፍሪ፡
ተፍጥሮኣዊ ጽዓት ብኣና ክውሕዝ ንመዓራረይ
ምስ ለውጢ ንጎዓዝ
ኣብ ቀጻሊ ምውሳእን ስራሕ ንጸመድ
ምስ ለውጢ ክንስርሕን ክንርዕምን ካብኡ ክንረብሕን ዓቅሚን ደልውነትን ይሃልወና!
ግብራውያን ኣብነታት -
ኣተሃላልዋ ዓለምን - ፖለቲካው፡ ቁጠባዊ ፍትሓዊ ወዘተ ኣቃውማ ዓለምና
ባሕርያውያን ሓደጋታት- ሕማማት፡ ምንዋጻት፡ እሳተ ጎመራታት፡ ህቦቡላታት
ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌታት ምህዞታት
ምንዋሕ ዕድመታትን ምቡኽባኽ ወይ ምቕያር ሕብረተ ሰባት።
1ይን 2ይን ኩናት ኣውሮጳ ዝተሳተፋ ሃገራት ዲየን ነቲ ውጽኢት ኣምጺኤንኦ ውይስ ተፈጥሮ ክኸውን ዝነበሮ ነገር በቶም ተዋሳእቲ ኣቢሉ ተፈጺሙ?
ካለኦት ግጭታትን ህልቂታትን
ብኣነነትን ድሩትነትን ህዋሳውን ኣእምሮኣውን ተዓብሊልካ ዘይብጽሒትካ ዘይግበኣካ ሞሳ ወሲድካ ትዕኒን ምባልዶ ይኸውን ወይስ እዚ ውን ኣካል ናይቲ ተፈጥሮእዊ ግህደት እዩ?
መደምደምታ - ከም ወኪል ለውጢ ኮይንካዶ ምስራሕ ይሓይሽ?
ድሉውነትን ዓቅምን
ረዓምነትን ተዓጽጻፍነት ድልብ ኣጥሪ
መስርሕ ለውጢ ተረዳእ
ድሩት እዋንን ዓቕምን
ኣብ ቀጻሊ ምድላው

Опубликовано:

 

22 авг 2024

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии : 4   
@user-tw3od5yv6m
@user-tw3od5yv6m 6 месяцев назад
✅🙏❤
@danielwelday2372
@danielwelday2372 6 месяцев назад
የቀንየልና ደስ ዝብል ❤❤❤
@YonasG
@YonasG 6 месяцев назад
👍
@user-fi1og7fw4q
@user-fi1og7fw4q 6 месяцев назад
I love you
Далее