Тёмный

#መጽሓፈ 

ጽርሓ አርያም  trha aryam (sindu)
Подписаться 2,8 тыс.
Просмотров 64
50% 1

1 ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ወዮ፡ ትካዘይ እንተ ዚምዘን፡ መከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዚኣቱ፡
3 ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡ ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን ኣሎኹ።
4 ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ወጊኡኒ ኣሎ እሞ፡ መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ ኣሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ ኣሎ።
5 ኣድጊ በረኻዶ፡ ሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሀልል እዩ፧ ብዕራይከ፡ ሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ፧
6 ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፡ ማይ እንቋቚሖስ እንታይ ጣዕሚ ኣለዎ፧
7 ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡ እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዚብል ብልዒ ዀነኒ።
8 አየ፡ ጸሎተይ እንተ ዚስማዕ፡ ኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዚምልኣለይ።
9 ኣምላኽ ኪደቚሰኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ንህይወተይ ኪቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዚኸውንሲ፡
10 ሽዑ ምተጸናናዕኩ፡ ንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሐድክዎን እሞ፡ በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ።
11 ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይ፧ ዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ፧
12 ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ፧ ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ፧
13 ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን፧ መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን፧
14 እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ።
15-16 ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ።
17 ብጊዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍ፡ ሃሩር እንተ በርትዔ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ።
18 ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ።
19 ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡ ናብ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ።
20 ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሐፈሩ፡ ናብኡ ምስ በጽሑ፡ ሕፍረት ሐዞም።
21 ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዜብልኩም ኢኹም፡ ዜፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ ኣሎኹም።
22 ኣነስ፡ ሀቡኒ፡ ወይስ ጥሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሀቡለይዶ ኢለኩም እየ፧
23 ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ፧
24 ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ።
25 ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም፡
26 ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ ኣሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዚዛረብ።
27 ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉ፡ ንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም።
28 እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ።
29 ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡ ኤረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ።

Опубликовано:

 

16 сен 2024

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии : 16   
@sabemaryoutube2367
@sabemaryoutube2367 Месяц назад
አሜን ኣሜን ቃለህወት የሰመዕና ፀርሐየ😍😍😍😍😍🙏🙏🙏🙏🙏🙏🎉🎉🎉🎉🎉🎉
@Negitube9077
@Negitube9077 Месяц назад
❤❤❤❤❤❤
@AbucheL-veme
@AbucheL-veme Месяц назад
ቃለ ሂወት የስምዓልና ወለላይ❤❤❤❤❤🎉🎉🎉
@temesgenmaamlak2048
@temesgenmaamlak2048 Месяц назад
❤❤❤ቃለህይወት የስመዐልና
@yeshimola-gg5qt
@yeshimola-gg5qt Месяц назад
❤❤❤🎉🎉🎉🎉
@Kidan-n1u
@Kidan-n1u Месяц назад
እግዚኣብሄር ይመስገን ሰላምኪ ይብዛሕ እንኮዕ ብሰላም ፃእኪ የብሎክይ ሽኮር ፋኑሰይ ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለሂወት የስመዐልና❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤
@yeshimola-gg5qt
@yeshimola-gg5qt Месяц назад
ቃለሂወት ያሰማልን ከፃድቁ አባታች ከቅዱስ እዮብ በረከት ያሳትፈን አሜን💚💚💚💛💛💛❤❤❤👏👏👏
@yeshimola-gg5qt
@yeshimola-gg5qt Месяц назад
😍😍😍😍
@Merhawityoutube
@Merhawityoutube Месяц назад
ቃለ ሂወት የስመዕልና ዛናተይ❤
@Negitube9077
@Negitube9077 Месяц назад
ቃለ ሂወት የስመዐና ፀርሓየይ 🙏😘😘😘😘
@zediyoutube7810
@zediyoutube7810 Месяц назад
እግዚአብሔር ይመስገን እንካዕ ብሰላም መፃእኺ ፍቲዉተይ ያዕሚሪ ቃለ ህይወት ያስመዐልና ፀጋኡ በረከቱ የብዝሐልኺ አሜን አሜን አሜን❤
@EyerusBerhan192
@EyerusBerhan192 Месяц назад
ፀርሓየ እንኳዕ ሰላም መፃኪ ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለ ሂወት የሰመዐልና 👏👏👏
@kidan5256
@kidan5256 Месяц назад
❤❤❤❤❤❤❤😊😊😊😅😅
@Lima-mj6ie
@Lima-mj6ie Месяц назад
ሰላም ሰላም እንካዕ ሰላም መፃኣኪ 🎉🎉🎉🎉
@DEVRANFIRTINA
@DEVRANFIRTINA Месяц назад
👍. 🙇‍♂️🙇‍♂️🙇‍♂️ Awesome sharing. Very nice video. You have uplaoded a very nice video. Your voice is very very beautiful. 🙇‍♂️🙇‍♂️🙇‍♂️👍👍👍 ❤T❤r❤h❤a❤a❤r❤y❤a❤m❤ 🌹🌹🌹🌹🌹🌹🌹🌹
@AwetTube
@AwetTube Месяц назад
❤❤❤❤❤❤
Далее
Как мы играем в игры 😂
00:20
Просмотров 156 тыс.
#ኣዋጅ#ባሕረ#ሓሳብ#2017#
43:44
Просмотров 2,5 тыс.
ጳግሜን ከመይ ተሕልፍዮ
1:04:33