Тёмный

ምርጫይ ሳዕቤን ኣለዎ ዶ? ትምህርታዊ ድራማ ብዛዕባ ንመናእሰይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና፣ 1ይ ክፋል 

Thera Mjaaland - Theram Production
Подписаться 20 тыс.
Просмотров 843 тыс.
50% 1

እዚ ትምህርታዊ ድራማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እዩ ተዳልዩ። ዕላምኡ ድማ ምስ ጉዳይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ኣብ ዙርያ ምጥቃም መቖፃፀሪ ወሊድን ምንፃል ጥንሲን ዘድሃበ ዘተ ንኽካየድ ንምልዕዓል እዩ። ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ ሽድሽተ ቀንዲ ተዋሳእቲ እዚ ድራማ ሶልያና፤ ክብሮም፤ ኣዜብ፤ ቴዲ፤ ሄለንን ተኣምራትን ኣብ ዕድመ ጉርምስንኦም ንመፃኢ ሂወቶም ሳዕቤናት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እዮም ወሲዶም። እዚ ድራማ ኣማራፂታት ስነ-ተዋልዶ ብመልክዕ ሜላታት ምክልኻልን ውሑስ ምንፃል ጥንሰን ብሕጋዊ መንገዲ ቐሪቦም እናሃለው ግን ድማ ልምዲታት ስርዓተ-ፆታ ዘሕድርዎ ፅልዋ ዳህሲሱሎ። ብዛዕባ እቶም ኣማራፂታት ዘሎ ግንዛበ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ዙርያ ዕድመ አከልነትን ዛዕባታት ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ዘሎ ስቕታ እውን ሰፊሕ እዩ። ምስ ምዕቃብ ድንግልና ጓል ኣንስተይቲ ብዝተዛመደ ቅድሚ መርዓ ገደብ ፆታዊ ርክብ እንተሃልዩሞ እንተድኣ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ እተን ንኽዳለዋን ዓርሰን ክከላኸላን ኣፀጋሚ እዩ ዝኾነን። እዚ ሓፂር ትምህርታዊ ድራማ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ንምዃን ዘኽእሉ ኣማራፂታት ይህልውዶ ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሉሎ።
እዚ ትምህርታዊ ድራማ ብዛዕባ ንመናእሰይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርገን ብዝሳለጥ መፅናዕታዊ ፕሮጀክት ኣቢሉ ካብ ኖርዊጀን መፅናዕቲ ካውንሲል/ኖርግሉባል ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ ተዳልዩ። ነቲ መፅናዕቲ ዘድሊ መረዳእታ ድማ በዚ ድራማ ኣቢልካ ምስ መናእሰይ፣ ወለዲ፣ መምህራን፣ ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ሕብረተስብን ካብ ዝካየድ ዘተ ይርከብ።

Опубликовано:

 

27 окт 2024

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии    
Далее
ИСТОРИЯ ПРО ШТАНЫ #shorts
00:32
Просмотров 321 тыс.
Brawl Stars expliquez ça
00:11
Просмотров 6 млн
ИСТОРИЯ ПРО ШТАНЫ #shorts
00:32
Просмотров 321 тыс.