Тёмный
No video :(

ብሉጽ መራሒ፤ ንርእሱ ኪንዮ ኣማሓዳሪ ምዃን ዝርእያ እዩ! 

Leadership Field
Подписаться 37
Просмотров 121
50% 1

ብዙሕ ግዜ መራሕን/leader ኣማሓዳሪን/ሓላፊ/ኣካያዲ administrator/manager/ ምዃን ሓደ ጌርና ኢና ንወስዶም።
መራሕን ኣማሓድርን ዘራኽቦም/ዘመስሳስሎም ነገራት እኳ እንተ ኣለዉ ሓደ ግና ኣይኮኑን
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መራሒ ማለት እንታይ ማለት እዩ ዝብል ከምዚ ኢልና ተንቲናዮ ኔርና፤
መራሒ፤ 1. ርእሲ፡ ሓላፊ፡ ኣካያዲ...ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ወዘተ…)። 2. ዜንቀሳቕስ፡ ዚዝዉር፡ ጉዕዞ ዝመርሕ፡ (ናይ መኪና፡ ኣይሮፕላን፡ መርከብ ወዘተ…)። 3. ናይ ሙዚቃ፡ ድራማ፡ ፊልም ወዘተ…ኣሰራርሓ ዜካይድ፣ ኣላዪ።[ምንጪ - ዘመናዊ ትግርኛ መዝገበ ቃላት ብተክአ ተስፋይ]
መራሕ፤ 1. ዘዋሪ (ማኪና፡ ኣይሮፕላን፡ ወዘተ…) 2. ኣለዓዓለን ኣንቀሳቐሰን (ንኣብነት ናይ ኣድማ)።
መርሐ፤ (ምምራሕ፡ ይመርሕ፡ ይምራሕ) 1. ቀዲሙ ተጓዕዘ፣ ሓለፈ፣ ቀደመ፣ 2. ዘወረ፡ ኣንቀሳቐሰ፡ (ንመኪና፡ ንመርከብ፡፡ ንነፋሪት ወዘተ…3. ኣርኣየ፡ ኣመተ፡ ሓበረ፡ ወሰደ፡ (ናብ ዘይፍለጥ ወይ ዘይርአ ቦታ፡ ሰብ ወዘተ)። 4. ሓላፍነት ወሲዱ ሓደ ስራሕ፡ ተግባር ወዘተ ፈጸመ (ንኣብ ዉግእ ምምራሕ)። 5. ለኣኸ፣ሰደደ፣ ኣኣንፈተ (ናብ ዝኸዶ ወይ ኪስደዶ ዝግባእ ቦታ ወይ ሰብ)።
ናይ ርእሰይ መብርሂ፤ ናይ ሙዚቃ - Conductor ዓይነት ማለት እዩ። ስርሑ ሙዚቃ ምጽዋት ዘይኮነ ነቶም ሙዚቃ ዝጻወቱ ግና ብዝተፈላለየ ዓይነት ሙዚቃን ቅኒትን ተወሃሂዶም ክጻወቱ ምግባር እዩ። መራሒ ድማ ነቶም ሰባት ብህያቦም ክሰርሑ ምግባር እዩ።
ኣማሓዳሪ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
ኣመሓዳሪ፤ 1. ሓደ ጉልቲ፡ መሬት ወይ ቦታ ንኼማሓድር ብሕጊ ስልጣን እተዋህቦ ሰብ። 2 ንዋኒን፡ ንቤት ትምህርቲ ወይ ንመንግስታዊ ጉዳይ ዘማሓድር ሰብ
ኣመሓደረ 1. ንኣፈጻጽማ፡ ንኣጠቓቕማ ወይ ንኣገባብ ናይ ሓደ ነገር ተቖጻጸረ ወይ ኣካየደ (ንኣብ. ንኣጠፋፍኣ ገንዘብ)። 2. ንሓደ ጉዳይ ወይ ዋኒን ኣካየደ፤ ናነየ፤ ኣበዓለየ።
ብመበቆሎም ዝዛመዱ ቃላት፡ ሓዳር፡ መሕደሪ፡ ሕብሪ፡ ሕብረት፡
ኣካያዲ፤ ተመስሳሊ ናይ ኣማሓዳሪ ቓል ኮይኑ መበቆሎም ዝሰማማዕ ቃላት ከም ኣከበ፡ ኣኼባ፡ ኣከባቢ፡ ኣካቢ፡
ስልጣን ንኽተማሓድርን መራሒ ንኽትከዉን ዝወሃበካ ዓቢዩ ዕድል እዩ። መራሒ ክኸዉን ንዝዓቢ ግና ኣብ ምሕደራ ደዉ ኣይብልን እዩ
እቲ ዝዓበየ ጌጋ ርድኢት ሓደ ሰብ ጽቡቕ ስለማሓደረ ንፉዕ/ብሉጽ መራሒ ዝኾነ ክመስሎ ኸሎ እዩ
ብሉጽ መራሒ ንፉዕ ኣማሓዳሪ ክኸዉን ይኽእል እዩ፥ ንፉዕ ኣማሓዳሪ ስለዝኾነ ግና ብሉጽ መራሒ እዩ ማለት ኣይኮነን!
Inline image
Inline image
ብሉጽ መራሒ ክኸዉን ክዓቢ ንዝጸንሐ ከማሓድሮም ንዝጸንሐ ነገራት ንኻልኦት ሓላፍነት/ሕድሪ ክህብ ይጅምር
ብሉጽ መራሒ ኼንካ ክትርከብ ብዝተኻኣለካ መጠን ካብ ምምሕዳር ኣብ ምምራሕ ኣተኩር
ብሉጽ መራሒ ዘማሓድሩ ናብ መራሕቲ ክኾኑ የሰጋግሮም/ኣዕብዮም
ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝበሎ ኣምላኽ ኣብ መውዳእታ ካብዛ ዘሎናያ ምድሪ ዝብጀዎም ሰባት እምበር ንዋታት ማለት ገንዘብ ህንጻ ፋብሪካታትን ካልእን ኣይኮኑን!
እዚ ዝተረደኣ ብሉጽ መራሒ ካብ ቁሳዊ ነገራት ኣብ ሰባት እዩ ዘዋፍር/invest ዝገብር
ዳሕራይ ከኣ እቲ ዝበለጸ ሓድጊ/ዉርሻ/legacy ሰባት ክኾኑ ከለዉ እዩ!
ሙሴ ንኹሉ ዘማሓድር ኣብ ኩሉ ነገራት ድማ ኢዱ ዘእቱ ሰብ እዩ ኔሩ (ዘጸ 18)
እቲ ዘበለጸ መራሒ ጌሩ ሓድጊ ዝገደፎ ተካኢኡ ኢያሱ ኔሩ
ካልኦት በቲ ዘለዉም ተዉህቦ ክዓዩ ዝገበሮም ድማ በሳልኤል፡ ኣሮን ካልኦትን ኔሮም

Опубликовано:

 

9 июл 2020

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии    
Далее
Штаны легионера
00:44
Просмотров 229 тыс.
кукинг с Даниилом 🥸
01:00
Просмотров 998 тыс.
Ethiopia - Esat Amharic News July 31 2024
47:34
Просмотров 2,4 тыс.
መእተዊ: Introduction (Tigrinya)
2:21