ነዞም ሓረጋት ምባል ዝኸብደካ እንተኾይኑ ርእሰ-ተኣማንነት ጎዲልካ ኣሎ!!
ኣዝዮም ርእሰ-ተኣማማንነት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዝጥቀሙሎም 9 ሓረጋት!!
ርእሰ-ምትእምማን ማለት ሰብ ክርኤልካ ምውሳእ ወይ ዘይንስኻ ምምሳል ኣይኮነን። መን ምዃንካ ብዘይ ፍርሕን ምጥርጣርን ምግላጽ’ዩ።
ኣዝዩ ርእሰ-ምትእምማን ምስ ዝህልወካ፡ ኣብ ተግባራትካ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቃላትካ’ውን ይንጸባረቕ'ዩ። ኣዝዮም ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዝጥቀሙሉ ዝተወሰኑ ሓረጋት ከምዘለዉ ስነ-ልቦና ይነግረና።
እዞም ሓረጋት’ዚኣቶም ንኻልኦት ንምርኣይ ወይ ንምምሳጥ ምፍታን ኣይኮኑን። እንታይ ደኣ፡ መግለጺ ርእሰ-ምትእምማንን ኣብ ክእለት ሰብ ምእማንን’ዮም።
ስለዚ፡ እዞም ዝስዕቡ 9 ሓረጋት ፡ ብመሰረት ስነ-ልቦና ኣዝዮም ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዝጥቀሙሎም ኮይኖም፣ እዞም ሓረጋት እዚኣቶም ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ናይቶም ልዑል ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎም ሰባት ርድኢት ክህቡኻን ምናልባት ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘረባ ከተእትዎም ከነቓቕሑኻን ይኽእሉ።
1. ኣይፈልጦን'የ ምባል
2. ተጋግየ ምባል
3. ኣይፋል ምባል
4. ይኣምነካ'የ ምባል
5. ሓገዝ ምሕታት
6. የድንቐካ'የ ምባል
7. ይቕሬታ ምሕታት
8. ክገብሮ ይኽእል'የ ምባል
9. ንነብስኻ ምፍቃር
ኣብ’ዚ ዝቕጽል ቪድዮ፡ርእሰ-ምትእምማን ማለት ምምሳል ወይ ቅድመ-ገጽ ምልባስ ዘይምዃኑን። ንመንነትካ ሓቀኛ ምዃን፡ ዋጋኻ ምልላይን ንዋጋ ካልኦት ዋጋ ምሃብን’ዩ።
ስለዚ ነዘን ሓረጋት እዚኣተን ከተስተንትነለን ከለኻ፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተመክሮታትን ኣተሓሳስባን ብኸመይ ከም ዚሰማምዑ ኣብ ግምት ብምእታው። ሓቀኛ ርእሰ ተኣማንነት ካብ ውሽጢ ከም ዝመጽእ ዘይምርሳዕ። እዞም ሓረጋት እዚኣቶም ድማ ብግዳም ንምግላጽ ዝሕግዙ መሳርሒታት ጥራይ እዮም። ክሕግዙኻ ዝኽእሉ 9 ነጥብታት ኣብዚ ቪድዮ ቀሪቡ ኣሎ።። ነዞም ኣገባባት ንምኽታል፣ እቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ብርቱዕ ክመስል ይኽእል እዩ፡ ግን ሓደ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገር፣ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ጉዕዞ ብንእሽቶ ስጉምቲ እዩ ዝጅምር። ስለዚ፡ ቀዳማይ ስጕምቲ ክትወስድ ድሉው ኩን።
@dreambigmeharichannel @BAHGNATV @ellarecords @shigeyentertainment9517 @YonasMaynas @ATAMedia @HDMONANEBARIT @BurukTv @neshnesh_show @zomaychannel @zarafltet @gereemunentertainment @gDrar
20 июн 2024