ትንቢት ኢሳይያስ 54
2-3፤ ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ።
4-5፤ ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ።
12 сен 2024