መቸም ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ዘይተነግረ ተዘይከይኑ ዘይተገብረ የለን። ምዑታት ተጋደልቲ ኲናት ኣብ ምሕግሓግ መግዛእቲ ዝፈጸምዎ ታሪኽን ጅግንነትን ፈጺሙ መዐየሪ ዘይርከቦ እጹብ ድንቂ ተኣምራትዩ። ምስቲ ዝነበረ ደረጃ ምዕባለን፡ ምስቲ ዝንበርዎ ዕድመን፡ ኣልፋ ኢልካ ተበጊስካ መግዛእቲ ጸሪግካ መንግስቲ ክተቕውም፡ እሞ ድማ ብደገ ክኣትወካ ንዝፍትን ወራሪ ዘይኮነስ ኣብ ሕምብርቲ መሬትካ ንዝገበለ ጸላኢ ጒሒፍካ ንከተውጽእ ቀሊል ኣይኮነን። በዓል ይካኣሎ ግን ኪኢሎሞ።
ኣብዚ መግዛእቲ ንምጽራግ ዝነበረ ገድሊ ንተጋዳላይ መን ዘይተጻበኦ። ዓለም ብምሉኣ ተጻቢኣቶ፡ ባህሪ ተጻቢኢእዎ፡ ግዜ ተጻቢእዎ፡ ካብኡ ፍልይ ዝበለ ከኣ ናይ ኣፈጣጥራ ጉዳይ ኮይኑ ገዛእ መሬቱ’ውን ተጻቢእዎዩ።
እስከ ንሎሚ ካብ መጽሃፍ ተመኩሮታት ገድሊ ቅጺ 7 ንዝተጻሕፈት ዛንታ ብመልክዕ ድምጺ ናባኹም ከነብላ ደቂ ኤረይ።
ታሪኽ ናይታ ወሳኒትን ኣዋጣሪትን ዝነበረት ታባ “እትሓለብብ” እቶም ምዑታት ተጋደልቲ ከመይን ብምንታይን ከም ዝተቖጻጸርዋ እትገልጽ ንምእማኑ ዘሸግር ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር።
ጅግንነትን ቆራጽነትን ናይቶም ኣብ ምፍታሕ ወጥሪ ታባ እትሓለብብ ዝተዋግኡን ዘዋግኡን ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን ምዑታት ሓዋርያት ሃገር።
N.B ኣብዚ ስእሊ ዘለዉ ክልተ መራሕቲ ኲናት ዝነበሩ ኢሳያስ ወዲ ፍላንሳን ምሕረትኣብ ወዲ ጨጊርን። ተጋዳላይ ኢሰያስ ወዲ ፍላንሳ ስዉእ ክከውን ከሎ ምሕረትኣብ ወዲ ጨጊር ግን፡ብህይወት ኣሎ።
28 сен 2024