Тёмный
No video :(

ኻሊል ዘይተጽዓዲ - ትርጉም Khalil the Heretic 

Mesfin Gebremedhin
Подписаться 798
Просмотров 3,2 тыс.
50% 1

መእተዊ ንትርጉማዊት መጽሓፍ ኻሊል ዘይተጻዓሲ
ኻሊል ጂብራን ነዛ መጽሓፍዚኣ ኣብ መንጎ 1883- 1931 ብሂይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብቛንቋ ዓረብ ከምዝደረሳ ይፍለጥ። ንመጀመርታ እዋን ድማ ብቛንቋ ኢንግሊዝ ኣብ 2000 ዓ.ም. ተሓቲማ።
ትሕዝቶኣ ድማ ኣዝዩ መሳጥን መሃርን ብምዃኑን፡ ምስ ባህሊታትን ልምዲታትን እምነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝመሳሰል ብምዃና ንትምህርታዊ ዕላማ ኽትርጉማ ተደሪኸ።
ቀንዲ ታሪኽ ናይዛ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
• ነበርቲ ገባሮን ዓዃያትን ቁሸት ደርካዚይ ኣብ ትሕቲ ዘስኻሕክሕ መግዛእቲ ሼኻ ዓባ ይነብሩ ነበሩ። ሼኽ ዓባስ ብኣሚር ናይታ ሃገር ዝተሾመ ነበረ።
• ተቕማጦ እታ ዓዲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ብዝመጽአ ባርነት ሓመድ ድፋጨኦም እናሰተዩ ኣብ ክቱር ድኽነት ይነብሩ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ጽዒሮም ዘፍረይዎ ኣእካልን ወይኒ ዘቢብን ዘይትን ሚኢቲ ካብ ሚኢቲ ናብ ሼኽ ዓባስን ቤት-ክርስቲያንን ድሕሪ ምርካቦም ቁሩብ ቁርባቦ ካብ ገዛእቶም ተመሊሱ ይትኮበሎም ነበረ።
• ቤተ-ክርስትያን ማለት ሓለቓ ካህናትን ኣድባራትን ኢልያስ እቶም ገባሮ ናይታ ዓዲ ተምበርኪኾም ክግዝኡ ምስ ሼኽ ዓባስ ተሻሪኹ ይሰርሕ ነበረ።
• ኣብ ገዳማት ዝነብሩ ፈለስቲ ኣእካልን ወይኒን ፍረታትን ካብቶም ገባሮ ኣናመንዝዑ ምቾት ዝነብሮ ህይወት ይመርሑ ነበሩ።
• ኣብ ከምዚ ዝመሰለ እዋን ሓደ ብምዝኽታሙ ናብ ገዳም ዝተውስደ ህጻን፡ ጓሳ ጥሪት ናይቶም ፈለስቲ ኾይኑ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፉ፡ ከም ፈላሲ ኣጠመቑዎ ኣምሓሉዎ። እቲ መንእሰይ ፈላሲ ግን እቶም ፈለስቲ ከም ተዃሉ ጥሪት መንዚዖም ዝበልዑ ስሱዓትን ዘይፍታሓውያንን ግብዛትን ምዃኖም ምስተረደኣ፡ ኣንጻሮም ዓመጸ፡ ኣይጻዕድንየ በለ፡ ኣብ ገበኖም ከይሳተፍ መሓለን ጸዕተን። ስለቶም ውጹዓት ገባሮ ድማ ብድሆ በለ።
• እዚ ዘይተጻዓዲ መንእሰይ ፈላሲ ዝጋጦሞ ሓሳረ መከራን፡ ኣብ ፍርዲ ምስቀረበ ዝገበሮ ንልቢ እቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ገባሮ ዘበራበረን ፍትሒ ዘንገሰሉ ገድሊ እተዘንቱ ሓያል መልእኽቲ ዘለዋ ድርሰት እያ።
• ስለዚ ብትዕግስቲን ብጽሞናን ክትሰምዕዋ እላቦ
እዛ መጽሓፍ ዘተመጣጠነ ንውሓት ዘለዎም 8 ምዕራፋት ኣለዉዋ። ምዕራፋት 1,2,3,4, 5, 6ን 8ን ሕጽር ዝበላ ክኾና እንከለዋ፡ ምዕራፍ 7 ኣዝያ ነዋሕ እያ። ንምስማዕ ብዝጥዕም መገዲ እታ መጽሓፍ ኣብ ተዛማዲ ንውሓት ዘለዎም ምዕራፋት ኮይና ቀሪባ ኣላ።
ተርጓሚ መስፍን ደስታ ገብረመድህን። ነሃሰ 2022

Опубликовано:

 

22 авг 2024

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии : 10   
@Zerea280
@Zerea280 11 месяцев назад
ነመስግነካ ባባ መስፊን
@ikbenblij9979
@ikbenblij9979 2 года назад
Wawww tebarek
@johntes7185
@johntes7185 Год назад
Thank you My father
@erilove7803
@erilove7803 Год назад
ብጣዕሚ መሳጢት መጽሐፈ የቐንየልና 👍✨️
@minbartum3082
@minbartum3082 2 года назад
bitami subuq sirah thank you
@user-gn3gv8cv7t
@user-gn3gv8cv7t Год назад
ዛ መጽሓፍ ኣበይ ክረኽባ ይኽእል ።
@solomonaman6234
@solomonaman6234 2 года назад
Nsle hayal xaarkan amerarxa mexhafn msgana ygbeaka eyu.
@aarongebreslasie7677
@aarongebreslasie7677 2 года назад
ነዛ “ኻሊል ዘይተጽዓዲ” እትብል መጽሓፍ ኣበይ ክንረኽባ ንኽእል፧
@mesfingebremedhin7922
@mesfingebremedhin7922 2 года назад
ዛጊት ኣይተዝርገሐትን እያ ዘላ።
@samizewde3589
@samizewde3589 Год назад
መምህር እዛ መጽሓፍ በጃኻ ዘርገሐልና? ኣብ
Далее
Italians vs @BayashiTV_  SO CLOSE
00:30
Просмотров 4,4 млн
ኣልበርት ኣንስታይን
1:18:51
Просмотров 14 тыс.