Тёмный

"ጉንዲ ዓይነዩ" ብመዘምራን ትምህርቲ ሰንበት እንዳ ኪዳነምሕረት (ሰምበል) 

Подписаться
Просмотров 395
% 15

"ጉንዲ ዓይነዩ" ብመዘምራን ትምህርቲ ሰንበት እንዳ ኪዳነምሕረት (ሰምበል)
ጉንዲ ዓይነይ’ዩ ሰራውር ሰዲዱለይ
ሰሪቡ ኣበሳይ ጋሪዱ ንውነይ
ከምቲ ክርዳድ ብኣጋ ከይምሖ
እቲ ሓሳባተይ ኣይነጽሀን ብኣምሆ
ዘድክመኒ ኃጢአት ኣብ ደመይ የስርጾ
ናኽድመር በደል ስዕረት የናውጾ
ሓበላ ጉንዲ ዓይነይ ንውሽጢ ሶሊኹ
ሕዱር ቃንዛይ መዘዝ ዘልዓለም ወሲኹ
በሰር ካልኦት ይፍትን ክርኢ
ይህወኽ ይዝምብል ንጥፍኣት የሳሲ
ከም ትውፊት ክፉኣት ዝቓደረ ዛንታ
ብሰንኪ ልማደይ ስኢነ መሰታ
ኃጢአት ሞት ምዃኑ ምእንቲ ክግለጽ
ሰናይ እንክመስል ብሕሜት ይርገጽ
ይዋእ ኣነ ምግዱር ዝገብሮ ዘይፈልጦ
ብስጋይ ዝእወድ ክብረተይ ዘርክሶ
ዘሎ ህዋሳተይ ብህርፋን ክልከም
ረብሓይ ብደም ጥልመት ኣብ ጸልማት ክኽተም ንመን’የ ክህቦ እቲ ሐሕማቑ
እምብዛ ማሕዲገ ሕሊናይ ደሪቑ
ክቡር ሰብ እየ ኣነ ኣርኣያ ሥላሴ
ግና ይዘንበኒ’ቲ ከንቱ ውዳሴ
ኣነ እንከለኹ ብኣምላኽ ዝዳነ
ኵሉ ሃዲሙኒ ምዃን ኣብየ ኣነ
ኣይትሕሰሙ ኣሕዋት ጸገም’የ ረኺበ
ኣብ ትረት ናይ ልበይ ምሒርየ ከኒበ
ለምኑለይ ንዓይ ኣመለይ ክገድፎ
ጉንዲ ዓይነይ ከጽርዮ ‘ናማተይ ክንሕፎ

Развлечения

Опубликовано:

 

20 июл 2023

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии