Dehay Eritrea ብዛዕባ ባሕርን ዓሰብን እንታይ ሕቡእ ኣጀንዳ ክህሉ ይኽእል?
ኣፍደገ ባሕሪ ሓንቲ ሃገር ንህዝባን ጎረባብታን ዘየገልግል ንዜጋታታ ዘየርብሕ እንተኾይኑ ጸጥታዊ ሓደጋ ዝኾነሉ ተኽእሎ ዓቢ እዩ ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ደሃይ ኤርትራ ምስ ዶር መብራህቲ ዘትያ ኣላ ምክትታልኩም ንዕድም!
ዶር መብራህቱ አተወብርሃን ብናይ ባሕሪ ኢኮሎጂ፣ ምዕቃብ ህይወታዊ ብዙሕነት፣ ምቅይያር ክሊማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝፍጠር ኢኮሲስተምን መነባብሮ ሕብረተሰብን ብዝምልከት ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣብ ዩኒቨሪሲታት ኣስመራ፡ ብራስለስ ዝቐሰሞ ንጸጋታት ባሕሪ ስነ-ህይወትን ዓሳታትን፡ ዝምልከት ትምህርቱ ኣብ 2004 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግሮኒንገን ኔዘርላንድስ ብሰፊሕ ምርምራዊ መጽናዕቲ ብናይ ሊቅነት መዓርግ ብፒኤችዲ ዝዛዘመ ኤርትራዊ ምሁር እዩ።
ዶር መብራህቱ፡ ኣብ ኤርትራ ፣ ኬንያ ፣ ታንዛንያ ፣ ማዳጋስካር ፣ በሊዝ ፣ ዓዲ-እንግሊዝን ሰፊሕ ተመኩሮ ዝቐሰመ ሓደ ካብቶም ብሃገሮም ህዝቦምን ዝግደሱን ንድሕነታን ትንሳኤኣን ዝቃለሱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ሎሚ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕርን ጸጋታቱን ጸጥታዊ ውሕስነቱን ብዝምልከት ተዘራሪብና ኣሎና ደጊምና ክትከታተሉና ንምሕጸን!!
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
08 ሓምለ 2023
ደሃይ ኤርትራ
7 июл 2023