Dehay Eritrea ኤርትራውያን ሽግርና ማዕረ ክንደይ ኢና ንፈልጦ?
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ከቢድ ህይወት የሕልፍ ከምዘሎ ብዘይካ እቲ እናረአ ክዓውር እናሰምዐ ክጸምም ዝደሊ ወገን እትረፍ ንወዲ ሃገር ንማንም ብዛዕባ ኤርትራ ዘንብብን ዝሓትትን ወጻእተኛ እውን ርዱእ እዩ።
ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ፡ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ንከብቅዕ በብዓቕሙ ይዋሳእ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ 20 - 25 ዓመታት እቲ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብኸምቲ ክኸዶ ዝግበኦ ዝነበሮ ናህሪ ኣይሰጎመን። ስለምንታይ እዩ ከምኡ ኮይኑ? ኤርትራውያን ናይ ብሓቂ ንሽግርና ብዕምቆት ንፈልጦ ዲና? ንዝብል ሕቶ አሕዋት ወልደንኪኤል እማንዝግን ስነ ጥበባዊ ስምኦን ሓጎስን ምስ ደሃይ ኤርትራ ዘትዮም ኣለው ምክትታልኩም ንዕድም!
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
23 ታሕሳስ 2023
ደሃይ ኤርትራ!
22 дек 2023