Dehay Eritrea ዝኽሪ ንክቡራት ኣርካናት እሱራትና!!
እዚ መደብ እዚ እቲ ወትሩ ኣብ ወርሒ መስከረም ብፍሉይነት እንዝክሮ፡ ኣርካናት መራሕቲ ሰውራን ሃገርን ገዳይም ካድራትን ጋዜጠኛታትን ን22 ዓመታት ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ንዝተኣስርሉ ፍጻሜ ብምዝካር ንተጋድሎኦም እንትርኸሉ መደብ’ዩ።
እቲ ምልካዊ ስርዓት ናእሽቱ ወለዶ ኤርትራ ታሪኾም ከይፈልጥ ስሞምን ምስሎምን ክሃስስ፡ ታሪኽ ተጋድሎኦም ክርሳዕ ዘይገበሮ የሎን። ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከብ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ግን ስሞምን ታሪኾምን ብምኹላዕ ንሕልሚ ስርዓት ህግደፍ ኣምኪኑዎ እዩ። ገና እውን ይቕጽሎ ኣሎ።
እምበኣር ዝኸበርኩም ሰማዕትና እዚ እውን ኣካል እቲ ዘይክማህ መኸተ ኮይኑ፡ ጽማቚ ዛንታን ተጋድሎን እቶም ምእንቲ ፍትሒ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን ዝኸፍሉ ዘለውን ኣርካናት እነሆ ይቐርብ ክትከታተሉዎ ንዕድም!!
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት ( ዓካ ዓካ)
09 መስከረም 2023
እዚ መደብ እዚ ዓመት ዓመት ንክብሪ ኣርካናት እሱራትና ዝቐርብ ናይ ዝኽሪ መደብ ምዃኑን ቅድሚ ሕጂ እውን ቀሪቡ ምንባሩ ንሕብር!!
ደሃይ ኤርትራ
8 сен 2023