Dehay Eritrea ድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ርክብ ኢሳይያስን ሩቶን እንታይ እዩ?
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝተበጻጽሑ መራሕቲ ኤርትራን ኬንያን ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ህዝቢ ከሐይሉ፡ ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ካብን ናብን ብዘይ ቪዛ ክገሹን ክንቀሳቐሱን ብመንፈስ ‘ፓን ኣፍሪካኒዘም’ ብመሬት፡ ብባሕርን ኣየርን ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ርክባትን ዞባዊ ጸጥታን ብዕቱብ ክተሓባበሩ ከምእተረዳድኡ ብመገዲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
ግን ርክቦም ንሱ ጥራሕ ድዩ ነይሩ ወይስ ንህዝቢ ዘይተነግረን ዘይንገርን ካልእ ምስጢር ኣለዎ እዩ?
ዶ/ር ኣሰፋው ብዛዕባ እቲ ሕቡእ ዝበሃል ምስ ወርቅን ማዕድንን ዝተኣሳሰር ርክባት ንደሃይ ኤርትራ ሓቢሩ ኣሎ። ዝርዝራቱ ክትሰምዑዎ ኢኹም።
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
25 ለካቲት 2023
ደሃይ ኤርትራ
24 фев 2023