ሃገር - ኣብ ቅንያት ረዚን ዝኽሪ!
ህዝቢ ኤርትራ ንኣስታት 80 ዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ዝተጻዕነ፡ ውዲትን ተጻብኦን ዓበይቲ ሓይልታት ፈንጢሱ ተዓዊቱ ክወጽእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ብቅልውላዋት ዝሕመስ ዘሎ ዞባ፡ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ስኒትን ውህደትን ዘለዎ ህዝቢን ሃገርን ክኸውን ዝበቕዐ፡ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ ስለዘለዎ ዘይኮነ፡ ኣብ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ
ብዝዀስኰሶ ባህሊ እዩ። “ባህሊ ኣብ ዝተወሳሰበ ስርዓተ ክብርታት (Value System) ዝንደቕ እዩ። ስርዓተ ክብርታት ከኣ፡ ኣብ ሓደ ህሞት ወይ እዋን፡ ብሃንደበት ወይ ብዕድል ዝፍጠር ዘይኮነ፡ ግዜ ኣብ ዝወስድ ከቢድ በዳሂ መስርሕ
ዝውህለልን ዝዕቀብን ዝወራረስን እዩ።
#EmbassyMedia, #Eritrea, #MartyrsDay, #EritreaPrevails
16 сен 2024