ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ምክፍፋል፡ ኣብ ውሽጢ ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ከዛርብ ጸኒሑ እዩ። ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣኺቦም፡ ካብ ፖለቲካ ነጻ ምዃኖም ወጎዊ መግለጺ ከምዘውጽኡን ናይ ቀረባ ሰሙናት ተዘክሮ እዩ። ሓላፊ ጸጥታ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደዉን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ተኣኪበሙሉ ዘለዉሉ እዋን፡ እቲ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ጎኒ እቶም ጉባኤ ዘካየዱ ኣካላት ህወሓት ከምዝኾነ ብገለ መራኸቢ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሪታ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ተ/ጋ ብስራት ኣማረ ክገልጸልና እዩ።
16 сен 2024