zemarit hiermiela yehsho
ግሩም ድንቂ 'ዩ
ግሩም ድንቂ 'ዩ ኣምላኸይ ግሩም ድንቂ 'ዩ
ግሩም ድንቂ 'ዩ ጎይታየ ግሩም ድንቂ 'ዩ
ዝተደርበየ ኣምላኸይ የልዕሎ እዩ
ዝተረስዐ ጎይታየ ይዝክሮ ዩ
#1 ኣብ ቤተ ሳይዳ ዘልዓለ ኣብ ዓራት ዘሎ
መጺኡ ሎሚ ክረድእ ወገን ዘይብሉ
እንዳ ሓጥእ ገዛ ይኣቱ ድራር ክበሎ
ፈቃር ኣምላኽ እዩ ዘልኣለም ሰላም ዘይከልእ
ከም ኣምላኸይ ሲ ማንም የለን ማንም የለን
ከም እግዚኣብሄር ማንም የለን ማንም የለን
ከም ፈጣርየይ ምንም የለን ማንም የለን
ከም ኣማኑኤል ማንም የለን ማንም የለን
#2 ንዝበደለ ዘይድርቢ ጎይታይ ንዒቑ
ፍጹም ርህሩህ እዩ ብሓቂ ጎይታ ንደቁ
ምስቲ ሳምራዊ ይውዕል ከም ዓርኩ ኮይኑ
ኩሉ ብፍቕሪ ዝሓስቦ እሙን እዩ ንሱ
ከም ኣምላኸይ ሲ ማንም የለን ማንም የለን
ከም እግዚኣብሄር ማንም የለን ማንም የለን
ከም ፈጣርየይ ምንም የለን ማንም የለን
ከም ኣማኑኤል ማንም የለን ማንም የለን
#3 ዝተደርበየ ኣልዒሉ ሸይሙ የኽብሮ
ምህረቱ የፍስስ ደምሲሱ ንዝገበሮ
ኣኽሊል የልብስ ኣቕኒዑ ንዝደነነ
ጸግዒ ይኸውን ኣምላኸይ ንዝሰኣነ
ከም ኣምላኸይ ሲ ማንም የለን ማንም የለን
ከም እግዚኣብሄር ማንም የለን ማንም የለን
ከም ፈጣርየይ ምንም የለን ማንም የለን
ከም ኣማኑኤል ማንም የለን ማንም የለን
#4 የጸናንዖ ንሕዙን ፍቕሩ ለጊሱ
ጭንቂ ዘርሕቕ ኣምላኸይ ኣኽራን ኣፍሪሱ
ካብ ሕጂ የለን ቅድሚኡ ገዛኢ ሲኦል
ንዕኡ ኣሚኑ ዝቖመ ኣብ እግረ መስቀል
ከም ኣምላኸይ ሲ ማንም የለን ማንም የለን
ከም እግዚኣብሄር ማንም የለን ማንም የለን
ከም ፈጣርየይ ምንም የለን ማንም የለን
ከም ኣማኑኤል ማንም የለን ማንም የለን
26 июл 2024