Тёмный
ፍኖተ ኣበው ሜድያ / Fnote Abew Media
ፍኖተ ኣበው ሜድያ / Fnote Abew Media
ፍኖተ ኣበው ሜድያ / Fnote Abew Media
Подписаться
ፍኖተ ኣበው ሜድያ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሕግን ስርዓትን ዝሓለወ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትን፣ ስብከትን፣ ፣ ስነ-ጽሑፋትን ዝፍነወላ ፣ ሕቶታት ተኸታተልቲን በብእዋኑ ዝምለሰላን፣ እዋናዊ ጉዳያትን ዝመሓላለፉላ መንፈሳዊት ሜድያ እያ፣፣

‘’ፍኖተ ኣበው’’ ማለት ብግእዝ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ድማ ‘’መንገዲ ኣቦታትና’’ ማለት እዩ፣፣ ከምቲ ሃዋርያ ይሁዳ ‘’ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። ‘’ ዝበለና (ይሁ 1፣3) ከምኡ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ‘’ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። ’’ ዝበለና (እብ 13፣ 7) ኣሰሮምን መንገዶም ናይ ቅዱሳንን ክንክተል፣ ነቲ ናቶም ህይወትን ትምህርትን ክንሰምዕ ይግበኣና፣፣ ነዚ ናይ አቦታት ትምህርቲ ንምክትታል ድማ ብፍኖተ ኣበው ሜድያ ዝመሓላለፉ ትምህርቲ ምክትታል ንህይወትና ጠቓሚ እዩ፣፣
ኣብዚ ሜድያ እዚ ኣብ መንፈሳውን ማሕበራውን ህይወትናን ዘተኮረ መልእኽትን መንፈሳዊ ፍልጠትና ነዕብየሉ ኣርእስታት ይመሓላለፉላ፣፣ ካብ ትሕዝቶ ናይ ፍኖተ ኣበው ሜድያ ብዘይፍቃድ ምዝርጋሕን፣ ብዘይ ፍቓድ ምውራድን ኣይፍቀድን፣፣
Комментарии