ክርስቲያን ዘይልወጥ ጽኑዕ ዕላማ ሒዙ ይጓዓዝ። ንጹር ራእይ ስለ ዘለዎ ድማ ካብ ዕላምኡ ፍጹም ኣይዘናበልን፣ ዘዋህለሎን ዘኻዕበቶን መንፈሳዊ ጸጋታት ዓቂቡ ዕላምኡ ንኸሳልጥ ንመንፈሳዊ ግስጋሰ ቀጻሊ ይጽዕር፣ ዝተሰከሞ ሓዋርያዊ ተልእኾ ብምዝካር ድማ ካብ እግዚአብሔር አምላኽ ብዝረኸቦ ተስፋ ሰኒቑ ኣብ ዕላምኡ ይጸንዕ። ንመጽሐፍ ቅዱስ ከም ሓባሪ ኣንፈት ብሶላ ጼሩ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝሰምረሉ መንገድታት ይጓዓዝ። ብግዳማዊ ተጻብኦታት ከይተሰናበደ ኣብ መንገዱ ብዘጓነፍዎ መንፈሳዊ ማሕንቖታትን ግድላትን ከይተሰናኸለ ኣብ ጎደና ሕንጹጽ ዕላማ ይስጉም። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ ዕላማኡ ዝኾነ ቀዳድ ራህያ ኣይፈጥርን።
Subscribe for more video :- goo.gl/f96Ezz
Find us:-
****+****
FB Pege:- goo.gl/HkRD2Y
Facebook:- goo.gl/hWtCBt
Google:- goo.gl/zzJW2r'
Instagram:- goo.gl/WFhFzq
Twitter:- goo.gl/xJn16b
9 мар 2020