Тёмный

ንመናፍቕ ፍትሓና ዝብሉ ኣቦታት የብልናን። ኣቡነ እንጦንዮስ መናፍቕ ስለዘይኮኑ ኢዮም ውግዘት ፈቲሖም። 

Dn Ybrah
Подписаться 587
Просмотров 1,6 тыс.
50% 1

† ኣቦይ ቀሺ በረኸት ከም ዝገለጽዎ: ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቤተ ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ መጺኦም ውግዘቶም ከም ዝፈትሑ ኢዩ።
@ እምበኣር ኣቡነ እንጦንዮስ ውግዘት ዝፈትሑ ዘለዉስ ፓትርያሪክ ስለዝኾኑ ድዮም ወይስ መናፍቕ ስለዝኾኑ?? ይኽደነና እምበር “ኣብ 2006 መናፍቕ ስለዝኾኑ ኣውሪድናዮም: ኣብ 2017 ድማ ምሳና ስለዝተዓረቑ ካብ ውግዘትና ፍትሑና ኢልናዮም: ኣብ 2019 ድማ ብዘይፍቓድና ቪድዮ ሰሪሖም ናብ ዓለም ስለዝዘርግሑ መናፍቕ ኢልና ከነወግዞም ተገዲድና ኣለና” ጥራይ ከይትብሉና? መቸም ኣብ 2017 ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዝርከብዎም ኣቦታት ካብ ኣቡነ እንጦንዮስ ስርየት ክቕበሉ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና: እሞ ካብ መናፍቕ ኢዮም ስርየት ተቐቢሎም ማለት ድዩ?? እሞ ከምቲ ንዕኦም “ምስ መናፍቓን ብምትሕብባሮም ኢና ኣውሪድናዮም” ትብሉና ዘለኹም: ንኣቡነ ባስልዮስን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣቦታትን ከ ድኣ ካብ መናፍቕ ስርየት ብምቕባሎምን ምስኦም ብምሕባሮምን ዘይተወግዝዎም እንታይ ኬንኩም?? ወይስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነታ ስርየት ንሳ (ኣብ 2017) ድሕሪ ምሃቦም ኢዮም መንፊቖም?? ከምኡ እንተኾይኑ መልስኹም እዚ ኹሉ ዓመታት ኣሳዲድኩሞም ዝጸናሕኩም ድኣ እንታይ በዲሎሙኹም?
@ ዕላማ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣስመራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዕርቂ እንታይ ኢዩ ነይሩ?? እዛ ዕለት እዚኣ ብዙሓት ነገራት ዝተሓናፈጹላን ኩሎም ደቂ ቤተ ክርስትያን ዝተገርሁላን ዕለት ኢያ ነይራ። እቶም ዝተሓናፈጹ ነገራት ንርኣዮም እስከ፦
1) አቡነ እንጦንዮስ ብኣካሎም ኣብኡ (ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስመራ) እናሃለዉ ከለዉ ንዕኦም ኣፎም ዓጺኻ: “ውግዘት ፈቲሐ” ይብሉ ኣለዉ:ኢልካ ወረቐት ምንባብ። እቲ ክኸውን ዝነበሮ ሓቂ: ንሶም ባዕሎም ደው ኢሎም ቃሎም ከስምዑን “ኣሕሊፈዮ ዝነበርኩ ውግዘት ፈቲሐዮ ኣለኹ” ኢሎም ስርየት ክህቡን ኢዩ ዝግባእ ነይሩ። ነቲ ኣብ መንበረ ፓትርያሪክ ኮይኖም አቡነ እንጦንዮስ ስርየት ዝሃብዎምን ካብ ውግዘቶም ዝፈትሕዎምን :ኣቡነ ሉቃስ “እቲ ብታህዋኽ ኣብ ልዕሌኹም ዘሕለፍኩዎ ውግዘት እኳ ተጋግየ ኢየ’: ምስ በሉና ንሕና ድማ ‘ንሱ እኳ ድሕሪ ምውራድኩም ዘሕለፍኩሞ ስለዝኾነ ምፍታሕ ዘድልየና ኣይኮነን” ኢልናዮም ኢሎም ብዕለት 30-07-2019 ኣብ Lisan Tewahdo ዝተዛረብዎ ቃል ኣሎ። እቲ ዝገርም ድማ ኣቦታት ኣፎም መሊኦም “ካብ ውግዘትና ፍትሑና” እናበሉ እንከለዉ: እቶም ነዚ ቪድዮ ዘቀናብሩ ሰባትን ኣቡነ ሉቃስን ግና “እዚ ካብ ውግዘት ምፍታሕ ኣድላይነት ኣይነበሮን: ለዓይነ ሰብእ (ንሰባት መታን ደስ ክብሎም) ኢልና ኢና ንገብሮ ዘለና” ብምባል ኢዮም ክጥብሩና ዝፍትኑ ዘለዉ። ንመናፍቕ ፍትሓኒ ምባል ብሕጊ የሕትቶም ምዃኑ ስለዝፈልጡ ኢዮም። አቡነ እንጦንዮስ መናፍቕ እንተዝኾኑ‘ውን ፍትሑና ኣይምበልዎምን።
2) አቡነ እንጦንዮስ ልብሲ ጳጳስ ለቢሶም ኣብ ማእከል ደቖም ኮፍ ኢሎም ዘተራእዩላ ወርሒ ኢያ ነይራ ወርሒ ሓምለ 2017። ካብ ቤተ ክርስትያን ክወጽኡ ከለዉ ድማ ን12 ዓመታት ገጾም ናፊቑ ዝነበረ ህዝቢ እናተደፋፈአ ክመጽኦምን ንሶም ድማ ብመስቀሎም ገይሮም ንህዝቦም ክባርኹን ዝተራእየላ ወርሒ ኢያ ነይራ። ኩሉ ህዝቢ ድማ ሎሚ ዶ ጽባሕ ብኽብሪ ናብ መንበሮም ይምለሱ ኢሉ እና ተጸበየ ድማ ድሕሪ 2 ዓመት ወርሒ ሓምለ 2019 “አቡነ እንጦንዮስ ተወጊዞም ተፈልዮም ኢዮም: ግና ኣብቲ ተዓጽዮሙሉ ዝኸረሙሉን ዝሓገዩሉን ናይ 14 ዓመት ማሕዩሮም ክቕጽሉ ኢዮም” ዝብል ፍርዲ ካብ ኣስመራ ተሰምዐ። እንታይ ተረኽበ ድኣ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ጭካኔ?? እዚ ስጉምቲ‘ዚ ኸ ንረብሓ ቤተ ክርስትያን‘ዶ ንረብሓ እቶም ቤተ ክርስትያን ክትመቓቐል ዝደልዩ ኣካላት? ምስትውዓል ዘድልዮ ዓቢ ነጥቢ!
3) እቲ ኣብታ ወርሒ እቲኣ(ሓምለ 2017) ተበጺሑ ዝተባህለ ዕርቂ “አቡነ እንጦንዮስ ካብ መዓርግ ፓትርያሪክ ወሪዶም ከም ተራ መነኮስ ኮይኖም ንኽኸዱ ኢዩ” ከምቲ ንብዙሓት ሰባት ዝመሰለና ናብ መንበሮም ንኽምለሱ ኣይኮነን። እቲ ምስ ዕርቂ ሽማግለ ተሰማሚዖሞ ነይሮም ድሓር ጠሊሞም ዝብሃል ዘሎስ እንታይ ኢዩ?? ኢሉ ዝሓትት መስተውዓሊ‘ዶ ይስኣን?? “መናፍቕ ኢየ ኢልካ እመን: ወይ ድማ ተሓባባሪ መናፍቓን ኢየ ኢልካ እመን እሞ ብኣፍካ ረቲዕና ካብ ሽመትካ ክንስዕረካ” እንተዘይኮይኑስ እንታይ ክኸውን ይኽእል? እቶም ናይ ዕርቂ ሽማግለ ዝበሃሉ ዘለዉ‘ኸ እቶም ን12 ዓመት ማሕዩር (ማእሰርቲ) ‘ሱባኤ‘ ኢሎም ዝገልጹ ኣባ መልከጸዴቕ እንዳ አቡነ ዮናስ ዝመርሕዎም ድዮም?? እሞ ኣብ ሱባኤ ጸኒሖም ኢሎም ንዝእውጁ ሰባት‘ሲ ቃሎም ከይቀየሩ ክጸንሕዎም ኢልካ ምሕሳብ‘ሲ ዕሽነት ድዩ ልቦና??
@ ክትምለሰለይ ዝደልያ ዘለኹ ሕቶ ፦ አቡነ እንጦንዮስ ዝፍረዱ ዘለዉ ብናይ 2005 ግብሮም ድዮም ወይስ ብናይ 2019 ግብሮም?? (ቅኑዕ ድዩ ጌጋ ንጎድኒ ገዲፍና) እቲ ናይ 2005 ገሬሞ ዝተባህለስ ኣብ 2017 ብዕርቀ ሰላም ዓሪፉ ተባሂሉ ተኣዊጁልና ኢዩ። ተፈጸመ! ስለዚ ሕጂ ዘፍርዶም ዘሎ እታ ንሶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ንጹህ ምዃኖም: ንዓለም ዝኣወጁላ #ቪድዮ ኢያ። ስለዚ ነቲ ውሳኔ ቅኑዕ ከም ዝኾነ ንምርኣይ ኢዮም እምበኣር ናይ 2005 ኣእማን ዝፍንቅሉ ዘለዉ። እቲ መርትዖ ተባሂሉ ዝቐርብ ዘሎ ውን እንተኾነ ብርግኣት እንተ ተመልኪትናዮ ካብ መዓርጎም ከውርዶምን ከእስሮምን ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምሕደራ ቤተ ክርስትያን ብምልኣተ ጉባኤ ናይ ሲኖዶስ እምበር ብፓትርያሪክ ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን። ብውልቆም ንሶም ዘሕለፍዎ ውሳኔን ትእዛዝን እንተሎ ድማ ሲኖዶስ ተኣኪቡ ነቲ ትእዛዝ ይምርምሮን የጽንዖን ጌጋ ኾይኑ እንተ ረኺብዎ ድማ ብኣዋጅ ይስዕሮ እምበር ንዕኦም ኣይኮነን ካብ ስልጣኖም ክስዕሮም ዝግባእ። ኩሉ ስርዓት ኣለዎ። ግና “እሰሩልና:ቀይዱልና” ካብ ዝብሉ ኣካላት ስርዓትን ፍትሕን ምጽባይ ግርህነት ኢዩ። መሳኪን ኣቦታትና ጥራይ ኢዮም ዘሕዝኑኒ። ዕርቅን ሰላምን እናደለዩ ከለዉ: ብሰንኪ እቶም ሓቊፎሞም ዘለዉ ጸሓፍቶምን ኣዘዝቶምን ቆልዑ ኣብ ከምዚ ይወድቑ ኣለዉ።
“ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ንዓኹም ኣፍኩም ኮይነ ክዛረበልኩም‘ሲ ንዓይ ንወድኹም ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩኒ” እዛ መልእኽቲ ናብኦም ዘብጽሓለይ ወዲ ማርያም‼
ብክርስቶስ ሓውኹም
LE Noh Hameru
12 August 2019 #Share_it

Опубликовано:

 

6 окт 2024

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии : 1   
@MusluyAykonkun
@MusluyAykonkun Год назад
ኣቦና በረከትኩም ኣይፈለየና፡ በዲልናኩም ኢናሞ ፈጣሪ ይቅረ ይበለልና። ኣሜን
Далее
HH Abune Antonios Part 2
35:23
Просмотров 10 тыс.