ጽማቕ ፈንወ፡
1. ፖለቲካ ሃገርና ኣብ ኢትዮጵያ፡ መሰረታዊ ሰላማዊ ማርሻ ክቕይር ኣለዎ፣ ብፍላይ ምስ
ትግራይ።
2. እዚ ክሳለጥ፡ ምቛም ስሩዕ መንግስቲ ኤርትራ ቅድመ-ኩነታዊ`ዩ።
3. ደውላ ኤርትራ፡ ካብ ዋንነት ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ሓራ ወጺኡ ብህጹጽ ናብ ዋንኡ ህዝቢ
ኤርትራ ይረክብ፣ ብርግጽ፡ እዚ ዕማም ተቓውሞ`ዩ።
4. ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ፡ ካብ መስፍናዊ ጠባያቱ ናብ ዘመናዊ መልክዑ ክሰጋገር ኣለዎ።
5. ንሰላም፡ ንፍትሒ፡ ንሰብኣዊ ክብሪ ምቅላስ እምበር፡ ንስለ ጸረታት ወይ ተጻይነት
ምቅላስ`ሲ ክሳራታት ምሕፋስ ጥራይ`ዩ።
6. ንጸቢብ ስምዒታትን ንውልቃዊ ረብሓታትን፡ ዓብላልነትን ንምርግጋጽ ዝቕንየቱ .. ኣዕናዊ
ውግኣት፡ ብርሰት፡ ተተማላልሱ ዝደግስ ስቓይ፡ ሕሰም፡ ጥምየት ዓጽቦን፡ ናይ ደላይ ፍትሕን
ህዝባውነትን ጠለብ ኣይኮነን።
7. መንግስትን ደውላን ፈላልኻ ናይ ምርዳእ ዓቕሚ ኣዝዩ ትሑት እዩ ዘሎ።
8. ክብርናን መጎስናን ንቢንያም ግርማይ፡ ንወይኒ ቀለታን፡ ኣለክሳንደር ኢሳቕን... ነቕርብ።
6 июл 2024