▶ ደቡብ ኢትዮጵያ -- 157 ሰባት ብምህማም መሬት ሞይቶም
ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ገዜ ጎፋ ክልል ደቡብ ብዝሃረመ ከቢዲ ዝናብን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምህማም መሬትን ብውሑዱ 157 ሰባት ምሟቶም ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ትማሊ ሰኑይ ብዝሒ ምዉታት 55 ተባሂሉ እኳ እንተ ነበረ መስርሕ ድልያን ህይወት ኣድሕንን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ግን ሎሚ ሰሉስ ብዝሒ ምዉታት 157 ምብጻሑ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ዳግማዊ ኣየለ ኣመልኪቱ።
16 окт 2024