@negarit
The dangers of fanaticism and bigotry in socially diverse, multiethnic countries.
The Opium war between Great Britain and China
Describing the predicament of Eritreans.though the spoken words
ክንዮ’ቲ ጎቦ
መሬትን ሰማይን ዘጣበቐ
ባና ወገግ ኢሉ
ወጋሕታ ከበሰር ጸልማት ዝሰንጠቐ
በቲ ቀዝሒ ክንዮ’ቲ ግመ
ጩራ ወጋሕታ ዝቀደዶ
ጸሓይና ተቀልቂላ ተኾሊዓ
ኣብ ልዐለና ምስ ዘምበየት።
መቋሒ የለ ተመቋሒ
ኣይ ንሳንድያ ኳና በት ማእሰርቲ ዘፍረሰት።
ስምብራት መከራና ክሓዊ
ገጽና ዝደወነ ማዳ ክጸሪ፣ ክእለ።
ዝቀየደና ሰንሰለት ክበጣጠስ
ኣእዳዎም እቶም ቀይድቲ ክለምሰ።
እቲ ኣብ ፍቆዶ ጎልጎልን ሰንጭሮታትን
ኣብ ዓዲ ጓና ዝሓየረና
ፋሕ ዘበለና ዓመጽ፣
ዘይእለ እንድዩ መሲሉና ነሩ!
ግን ከእለ’ዩ ክብቅዕዩ ‘ቲ ወጽዓ፣
ከእለ’ዩ ምስ’ቲ ሃሩር ምስቲ ረመጽ
ምስ’ቲ ዝባንና ዘጠልቀየ ረሃጽ።
ሃገረይ:
ለካስ ኣይበጻሕናን ኢና ነርና
ኣብቲ ዝባሃግናዮ ዘመን ሰላም
ዘመን ሓጐስን ዘመን ባህታን
ኣብ ሃዋሁ ደዩ ተዘርዩ ነሩ‘ቲ ሕልምና፧
ሕልሚ ትማልን
ሕልሚ ሎምን
ሕልሚ ጽባሕን።
ዘይተራኸብና’ኳ ምስቶም ዝሓለፋ፣
እቶም ናይ ትማሊ ምስቶም ናይ ሎሚ ወለዶ!
ዘይተራከቡ!
ክብሪ’ኳ ዘይረከበ’ቲ መብጻዓታት!
ሓጋይ ምስ ከረምቲ ምስ ተጠለምና እንዲና ሓሊፍናዮ!
ዘይተራኸቡ’ኳ
እቶም ዝሓለፉ
ምስቶም ጸማልያ ዝመስሉ ናይ ሎሚ
ምስቶም ሂወት ዘለዎም …ዝመስሎም
እቶም ፍርቂ ምዉታት ብክልተ እግሮም ዝኸዱ
እቶም ገና ዘስተንፍሱ ዘለዉ ስዉኣት!
ኣይ ንሶም እንድዮም ዘሻቕሉ
‘ቶም ተጠሊምና ‘ሎም ወትሩ ዘስተማስሉ
እቶም መሬት ብሰገኦም ዘስብሑ
እቶም ብደሞም መሬት ዘጨቀው
እቶም ዝኽርታቶም
ኣብ ፍቆድኡ ዝዘረው፣ ኣይ ንሶም እዮም ዝሻቅሉ።
ሃገርናስ ወሪድዋ:
ኣይገፍዐትና
ኣይበደለትና
ኣየዋረደትና
‘ቶም ወሑዳት እንድዮም ግዲ
እቶም ወሑዳት ዝዓንደሩ
እቶም ወሑዳት ብስቃይና ዝዓንተሩ።
እቲ ዋጋ ዘይክፈሎ ተሰፉ እንድዮም ኣሕዲጎምና
እቲ ህያብ ኩሉ
ብርሃን ጻሓይ ከይተረፈ እንድዮም ከዊሎምልና
እሞ ኻኣ እታ ብኢድና ዘምጻእናያ ጸሓይ
እታ ኣብ ኢድና እንኮላ ደሊና ዝሳኣንናያ ጸሓይ?
ሃገርና፥ ኣይ ንሳ’ንድያ ዜማናን ደርፍናን
ንናፍቆ’ንዲና እታ ፍትውቲ ዓድና
ተዘርጊሑ ዶ’ይነበረን ’ቲ ጽቡቅ ወረ
ከይተጠልመ አንኰሎ።
ንፋስ ንዒቁ ናብ ግመ ከይተቀየረ
ወጻዒ የለ ተወጻዒ ተባሂሉ እንድዩ፥ ተነጊሩ
ሃገር ክትድበሰ ቃል ተኣትዩ እንድዩ፥ ተኣዊጁ
ሰላም ከነቋምት ኣይተረበጽናን ዲና
ቀንፈዘወ ዶ’ይበልናን ኢና
ንዕርቂ ኣይበሃግናን ዲና
እንታይ ድዩ ዳግማይ ሰውራ ሰውራ ሰውራ ሰውራ ዘበለና?
ከላእ የሳውሮ።
በሉ--
ናይ ፈጣሪ “ሞ እንድዒ
ናይ’ቶም ዘይምሕሩ ጨካናት፥ ኣይፈልጥን።
ምስ ረኸብኩሞም ሕተትዎም
እንተሰ ብወገነይ--ተማሒረኩም ኣለኹም።
28 мар 2024