Helen Meles
Hariena.com
ሓriena.com
ፍርፍር ኢላ ዓይነይ
ፍር ፍር ኢላ ዓይነይ
ዓይነይ ከተበስረኒ
ደርዓ ሰናይ ፋለይ
ሰለይ'ያ ከተብለኒ
ፍርፍር ኢላ ዘይትሕሱ ዓይኒ
ከብዲ ምላሽ ዕግበት ክትህበኒ
ራእ በይነይ.... ራእ በይነይ
ኣካ ተረኣየኒ....
ኪኖ ደረት ትርኢት ዋግ-ዋጎ ትማሊ
ጸርጊ ባና ጥሒሱ ጠበሽ ኢሉ ሎሚ
ኣፍ እዝኒ ክንከውን እንታይ ተሪፉኒ
እሂን-ምሂን ክብል እንታይ ተሪፉኒ
እንትርፎ ናይ ጽባሕ......ናይ ጽባሕ ትኑር ዓቅሊ...
ዕፉ ርሃጸይ ሰሪቡ ከጽልለኒ
ክምጃ ዓደይ ክህዎሶ ብኒሕ ወኒ
ፍር-ፍር ኢላ ፍር-ፍር ኢላ
ፍር-ፍር ኢላ ዘይትሕሱ ዓይኒ ከተርእየኒ.....
ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ዝኸበረ ካብ ዝኾነ ነገር ንልዓሊ ጎይታ ባዕሉ ምኾን'ዩ ከም ወዲ ኤረ ጸጋ መሪር ዋጋ ምቁር ፍረ
ፍርፍር ኢላ ዓይነይ:ዓይነይ ንትኣምር
መሪር ከተመቅር
ማናይ ክትብርብር
ፍርፍር ኢላ ፍርፍር ኢላ ዓይነይ
ጽባሕ ጋሕጋሕ ጭንቂ-ምንቂ ካሕካሕ
ሺሻይ ክብል ጃሕ-ጃሕ
ስሙር ሓይሊ ኮውሒ ክፍንቅል
ኣብ ሓደ ህርመት ብሓደ ክንድብል
ኣርእያትኒ ዓይነይ ራእየይ ክሰምር
ህዝበይ ተታተይ ኣዝመራይ ከዝምር
ፍር ፍር ኢላ ፍርፍር ኢላ
ፍር ፍር ኢላ ዓይነይ
5 май 2017