ነቱ ታሪኻዊ ኀበሳ ዝብህል ክቡር ስመይ አውሲደ፡ ፋሺስታውያን አጠሚቖም ዝጠቅዑለይ ባዕዳዊ ስም ለቢሰ፡ በቱ ንመንነተይ ዘይኸሥት፡ አሕሢሩ ዘሕፍር ጥራይ ዘይ ከወነስ፡ ንመንነተይ ምስ ባህሉን ታሪኹን ደምሲሱ ብምውራድ ዝቐብር፡ ንኽብርታት ምነተይ እውን ዝግሕስ፡ በቱ አርትራዊ፡ ኢትዮጵያዊ ወይ እውን ሱዳናዊ ቢሎም ንኽፅውዑኒ ዝተዋህበ፡ ዘሕንኽ ስም ተቐቢለ ክጽውዋዕ ከልለኹ፡ ከቢድ ኢይዩ ሕፍረት ዝስመዐኒ።
1 окт 2024