24/10/2022
[ 1ይ ጢሞቴዎስ 2 ]
1 እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ፥ ጸሎት፥ ምምላድ፥ ምስጋና፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ኪግበር እምዕድ ኣሎኹ።
2 ብመንፈሳውነትን ብኽብርን፥ ህዱእን ሰላማውን ዝኾነ ሕይወትን ምእንቲ ኽንነብር ከኣ ምእንቲ ዅሎም ነገሥታትን ሰብ ሥልጣንን ጸሎት ይገበር።
3 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድኃኒና ዝኾነ ኣምላኽ ሠናይን ዜሐጕስን እዩ።
4 ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ኪድኅንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚፈቱ።
5 ኣምላኽ ሓደ እዩ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደ እዩ፥ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ።
6 ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣኅሊፉ ሃበ፥ እዚ ኸኣ ጊዜኡ ምስ በጽሐ፥ ኣምላኽ ኵሉ ኺድኅን ከም ዚደሊ ምስክር እዩ።
7 ኣነ ኸኣ ነሕዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር (ሓቂ እዛረብ ኣሎኹ፥ ኣይሕሱን እየ) ሰባኽን ሓዋርያን ኮይነ ተሸምኩ።
8 ኵሎም ሰብኡት ካብ ባእስን ክትዕን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ ቅዱሳን ኣእዳው ኣልዒሎም ኪጽልዩ እደሊ ኣሎኹ።
9 ከምኡውን ኣንስቲ፥ ርእስን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቍ ወይ ብኽቡር ዝዋግኡ ኽዳውንቲ ምግያጽ ዘይኮነ፥ ግቡእን ትሕትና ዜርእን ክዳን ይከደና።
10 ከምቲ ነተን መንፈሳውያን ኣንስቲ ዚግባእ ብሠናይ ግብሪ ኪስለማ እደሊ ኣሎኹ።
22 окт 2022