Тёмный

[ ኦሪት ዘዳግም 4 ] 16 ብዝኾነ ምስሊ፥ ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ብመልክዕ ሰበይቲ ምስሊ ጣዖት ብምግባርኩም ከይትበላሸው ተጠንቀቑ። 

Bereket Aim
Подписаться 1,1 тыс.
Просмотров 655
50% 1

12/08/23
[ ኦሪት ዘዳግም 4 ]
16 ብዝኾነ ምስሊ፥ ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ብመልክዕ ሰበይቲ ምስሊ ጣዖት ብምግባርኩም ከይትበላሸው ተጠንቀቑ።
[ ኦሪት ዘፀኣት 20 ]
1 እግዚኣብሔር ድማ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ተዛረበ፦
2 “ካብ ምድሪ ግብጺ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውፃእኩኻ፥ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ እየ።
3 “ብጀካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
4 “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ምስልን ሥእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር።
5 ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን። ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዚጸልኡኒ ኃጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሣልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፥
[ ኦሪት ዘፀኣት 25 ]
17 “ምንዋኁ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ ብጽሩይ ወርቂ ዝተሠርሐ መኽደን ግበረሉ።
18 ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ሥራሕ፥ ኣብ ክልተ ወሰኑ ናይቲ መኽደን ድማ ግበሮም።
19 ሓደ ኺሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፥ ካልኣይ ኪሩቤል ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ምስቲ መኽደን ኣላጊብካ፥ ብኽልተ ወሰኑ ግበሮም።
20 እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ እናተረኣኣዩ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፥ ነቲ መኽደን ድማ በኽናፎም ይኸውልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን ኣቢሉ ይጠምት።
21 ነቲ መኽደን ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ጽላት ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።
22 ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፥ ካብቲ መኽደን፥ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ጽላት ዘለዉ ኽልተ ኺሩቤል፥ እቲ ንደቂ እስራኤል ዚኸውን ትእዛዝ ኵሉ ኽህበካ እየ።
[ ኦሪት ዘኁልቁ 21 ]
4 ደቂ እስራኤል ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተላዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፥ እቶም ሕዝቢ ኸኣ ኣብ መገዲ ዓቕሎም ኣጽበቡ።
5 ኣብዚ እንጌራ የልቦን፥ ማይ ድማ የልቦን፥ ነዚ ፈኵሽ እንጌራ ኸኣ መኖናዮ፥ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣውፃእኩምና፧” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣጕረምረሙ።
6 እግዚኣብሔር ከኣ መርዛማት ኣትማን ናብቶም ሕዝቢ ሰደደ። ነቶም ሕዝቢ ድማ ነኸስዎም፥ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙኅ ሕዝቢ ሞተ።
7 ሽዑ እቶም ሕዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ኃጢኣት ገበርና፥ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሔር ለምነልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ሕዝቢ ለመነ።
8 እግዚኣብሔር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “በስራዚ መርዛም ተመን ግበር፥ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ዝተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ ኸኣ ኺሓዊ እዩ።”
9 ሙሴ ኸኣ ኻብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፥ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ሰብ ናብቲ ተመን ኣስራዚ እንተ ጠመተ ድማ ይሓዊ ነበረ።

Опубликовано:

 

20 окт 2024

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии : 10   
@bdal4966
@bdal4966 7 месяцев назад
Edmen tienan yhabka fetari ❤❤❤
@AaAa-lm1ui
@AaAa-lm1ui 4 месяца назад
❤❤❤❤❤❤❤❤
@meronhabtemariam9461
@meronhabtemariam9461 Год назад
❤❤❤ ኣምላክ ዓዕዝዝ ኣቢሉ ይባርካ
@simonyosef1106
@simonyosef1106 Год назад
Amelak yebark zehawey tebarek xibuk meglexiy
@majorkidane3755
@majorkidane3755 Год назад
ኣምላኽ ይባርኽካ በረ
@lamberghini5392
@lamberghini5392 Год назад
Amen🙏 Zefterka Kdus yu Kbur Hawey Semu yebarek
@AmlesetGhebrekdus
@AmlesetGhebrekdus 5 месяцев назад
Amlak memelisu ybarika bruk xega ab lieli xega ywesikelka
@natnaelgoitomkiflom7660
@natnaelgoitomkiflom7660 Год назад
Merhaba berekhet blessed❤
@tsegazeray3839
@tsegazeray3839 8 месяцев назад
Sorry god bless you always but when you say like a Finestrat what do you mean by that I'm sorry I don't understand that's why I'm asking bless you always❤
@BereketAim
@BereketAim 8 месяцев назад
ኣሜንንን ጸጋ ሓብተይ ፍኔስትራ ከም ኣብነት እየ ተጠቂመሉ? እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ሓደ ገዛ ብኹኩ ዕጽው ዝኾነ ብፍኔስትራ ግና ንርሑቅ ወይ ንግደገ ዘሎ ዘርእየካ፡ ስእሊ ናይ ስቁል ኢየሱስ ክንርኢ ከለና ሒዝና ናብቲ ስቃይ ናይ ኢየሱስ ይኸይድ ማለት እዩ። ኣምላኽ ይባርኺ
Далее
ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ
14:27
Просмотров 1,3 тыс.