Тёмный

ምስጢር ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቡነ መቃርዮስ ፓስተር ዑቕባዝጊ÷ 

ዕቅበተ እምነት ዘኦርቶዶክስ-ተዋሕዶ
Просмотров 2,6 тыс.
50% 1

እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፥ኣበው ሐዋርያት ከም ዝበልዎ፣ንሕና ንነግር እምበር በትሪ ኣልዒልና ኣይንዘብጥን ኢና።
እቲ ኣእምሮኛ ዝኾነ ወዲ ሰብ ኣብ ክንድ ንሕይወት ኩሉ ግዜ ንጥፍኣቱ ዝኸውን ምኽንያታት ዚደሊ ክሳዕ ዝኾነ፥ብዘለዎ ዚተዋህቦ ተፈጥሮኣዊ ነጻ ፍቓድ ተለዓዒሉ ድላዩ ክገብር፣ደስ ዚበሎ ክዛረብ ይኽእል እዩ።እንተኾነ ሰብ ነቲ ዚዘርኦ እዩ ዚዓጽድ እሞ፥ግዜኡ ምስ በጽሐ ድማ ንዂሉ ጸብጸብ ክህበሉ እዩ መክ11፣9።በዚ ከምዚ ዝገበሮን ዚበሎን ኩሉ ዓስቡ ይቕበል።
ወገናተይ እዚ ሕጂ በዚ ትውልዲ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ ዝኸይድ ዘሎ መንፈስ ዘይብሉ ሸራዊ ምጉጅጃል፥ናይ ጥፍኣት ጎዳና ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝጠቕሞ የብሉን።
ዚጠቅም እንተ ዝኸውን እኒ ቅዱስ ጳውሎስ ክዂንንዎ ኣይምኻኣሉን ነይሮም።
ኣብቲ ብርሃን ዓለም፣ሕሩይ ኣቕሓ ዝተሰምየ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰብከሉ ዝነበረ እዋን፣ማለት ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ብግዜኡ ከምዚታት ተላዒሉ ነይሩ እዩ።ነዚ ከኣ ብትሪ ተቓዊምዎን ናይ ተግሳጽ ማዕዳ ምኽሩ ሂብሉን እዩ።
እቲ ቃል ከምዚ ይብል»÷
«ከመይ ኣኅዋተየ ኣብ ማእከልኩም ባእሲ ከም ዘሎ ሰብ ቆሎኤስ ነጊሮምኒ ኣለው።እወ!ነፍስ ወከፍኩም" ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፣ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፣ኣነ ናይ ኬፋ እየ፥ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ ከም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለው።ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ፧ወይስ ጳውሎስ ድዩ ምእንታኻትኩም ዝተሰቕለ፧ብስም ጳውሎስ ድኹም ዝተጠመቕኩም፧
»1ቆሮ1፣11-13።
ወገናተይ እዚ ፍጻሜ እዚ ነዞም በዚ ዘመን ዘሎና ኣይሓጽረና ኣይነውሓና፣ኣይገፍሓና ኣይጸበና ልክዕና እዩ።በዚ ታሪኽ ክንልብም ዘይምኽኣልና ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዓቢኡ ካብ ክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ ርሒቕና ኣሎና ኣጉሊሑ ዘርኢ እዩ።
"ኣብ ሰብ ዚውከል፣እወ እምንቶኡ ኣብ ምድራዊ ሰብ ዚገብር ብልቡ ኻባይ ካብ እግዚአብሔር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ" ት•ኤር17፣5።
እምበኣርከስ ከምቲ ነቢይ እግዚአብሔር ዝበሎ"መገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚአብሔር ንመለስ"
ደ•ኤር3፣40።ኣሜን።
ንሕጉ እንተዘይሓሎና፥ኣብ እምነትና እንተ ዘይጸናዕና ኣነ ናይ ኣባ እገሌ እየ፥ኣነስ እባ ናይ ኣቡነ እገሌ ምባል ፈጺሙ ካብ ታሓታትነት ነጻ ኣይገብረናን።ዋላ ክሳዕ ትእምርትን ተኣምራት ዓቢይ ኃይሊ ንግበር።ትንቢት'ውን ንዛረብ ኩሉ ከንቱ እዩ።
"በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙኃት 'ጎይታይ!ጎይታይ!ብስምካዶ ትንቢት ኣይተዛረብናን፧ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውጻእናን፧
ብስምካስ ብዙኅ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን፧ክብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ 'ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ከቶ ኣይፈልጦኩምን እየ፥
ካባይ ርሓቑ ኽብሎም እየ" ተባሂሉ እዩ ማቴ7፣22-23።
ግደፍ እዚ እንገብሮ ዘሎና ርኡይ ዝኾነ ሥጋዊ ጎንጺ በዚ ቃል ጎይታ ከም እንመሃሮ፥ካብ ሕግን መገድን እግዚአብሔር ወጺኣኻ ብዙኅ ብዙኅ ዓበይቲ ዝኾኑ ተግባራት ሰሪሕካ እኳ መልሲ ናይ እግዚአብሔር እዛ ቃል እያ።

Опубликовано:

 

7 авг 2022

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии : 3   
@user-vz6wb8uk4u
@user-vz6wb8uk4u Год назад
ብጣዕሚ ዝገርም ዩ ክንድዚ ዝከውን ዝተዓብጠ ጉዳይ እዩ ዝከይድ ዘሎ😢። ኣምላክ ይርኢ ኣሎ ቤቱን ህዝቡን ድማ የድሕን
@zeweldihabtom
@zeweldihabtom 10 месяцев назад
B edit keyttalelu tetenkeku, nab frdi aytgyoyu, nabti mulu thzto ktsegru neti haqi axebiqkum ktfelti tekalsu bejakum👏👏
@user-zb8vd2ep4p
@user-zb8vd2ep4p 6 месяцев назад
ኣየ ድራማ
Далее