[ መዝሙር ዳዊት 133 ] 1 እንሆ፥ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ብሓደ ኃቢሮም ኪነብሩስ፥ ኣዝዩ ሠናይን ጥዑምን እዩ።2 ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣሮን ዝፈሰሰ። ካብኡ ጀሚሩ ድማ ኣብ ጭሕሙን ኣብ ዘፈር ክዳኑን ጸረር ዝበለ ኽቡር ዘይቲ እዩ።3 እወ፥ ከምቲ ናብ ኮረቢት ጽዮን ዚወርድ ጠሊ እምባ ሄርሞን እዩ። እግዚኣብሔር ኣብኣ በረኸትን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን ኣዚዙ ኣሎ።
21 авг 2024