ዕብራውያን 9 ]
12 ደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኮነስ፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ኂዙ፥ ዘለዓለማዊ ድኅነት ረኺቡልና ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣተወ።
13 ደም ድቤላታትን ኣራሑን፥ ሓሙዅሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ሰብነቶም ኬንጽሕ ዚቕድሶም ካብ ኮነ፥
14 ደም እቲ ብዘለዓለማዊ መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንእግዚኣብሔር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል፥ ንሕሊናና ካብቲ ሞት ዜስዕብ ግብሪ ክንደይ ኣዝዩ ዘየንጽሖ᎒
1 май 2024