26/7/2023
[ 1ይ ቆሮንቶስ 6 ]
9 ኃጥኣን ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዘይትወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም᎒ ኣይትጋገዩ፥ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ወይ ግብሪ ሰዶም ዚገብሩ፤
10 ሰረቕቲ ወይ ስሱዓት ወይ ሰኽራማት ወይ ተፃረፍቲ ወይ ከተርቲ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
11 ገሌኹምውን ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
[ መጽሓፍ ምሳሌ 7 ]
25 ከምዚኣ ዝበለት ሰበይቲ፥ ልብኻ ኸይትሰልበካ ተጠንቀቕ፥ ደድኅሪኣ ዀለል ኣይትበል።
26 ንሳ ንብዙኃት ኣውደቐቶም፥ ዝቐተለቶም ከኣ ብዙኃት እዮም።
27 ናብ ቤታ ምኻድ፥ ናብ ሞት ዚወስድ ዝሓጸረ መገዲ እዩ፥ ናብ ቤታ ምኻድ ናብ ዓዲ ምዉታት ዚወስድ መገዲ እዩ።
[ 1ይ ቆሮንቶስ 6 ]
16 “እቶም ክልተ ሓደ ኣካል ኪኾኑ እዮም” ከም ዚብል፥ ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዚኸውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም᎒
17 እቲ ምስ ጐይታ ሓደ ዚኸውን ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።
18 ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ኃጢኣት ኵሉ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዚገብሮ፥ ዚምዝር ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እዩ ዚኃጥእ።
19 ሰብነትኩም ቤት መቕደስ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም᎒ እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣይኮንኩምን።
20 ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፥ ስለዚ ንኣምላኽ ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
16 сен 2024