ኣብ ትግራይ በብዘበኑ ብርክት ዝበሉ ባህሪ ስሓቕ(ኮሜዲ) ዘለዎም ኪነጥበባዊ ስራሕቲ ፈርዮም እዮም። ብደረጃ በቒዖም ተቐባልነት ዝረኸቡ ግን ብኣፃብዕቲ ይቑፀሩ። ኣብዚ እዋን ብሓደ ግዜ ብዉሑድ ስራሕ ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበ ሓደ ፍሉይ ከያኒ ክነላልየኩም ፈቲና። ኮሜድያን ቴድሮስ ተስፋይ(ኮካ) ይበሃል። "ርዳእታ" ንትብል ተዋሰኦ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኮሜዲታት ሰሪሑ እዩ። ኮሜድያን ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ሸውዓተ መንፈሳዊ መዝሙራት ብዜማን ሙዚቃን ኢዱ ዝሓወሰ፣ ተፃዋቲ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታን ተፃዋቲ ጭራ፣ ክራርን ፋፃን ውን እዩ። እናሰሓቕኩም ተኸታተሉና።
28 мар 2024