ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ብናጽነት መላእ ኤርትራ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኤርትራ ንዝሓለፉ 33 ዓመታት ብነብሳ ክትመሓደር ክኢላን ኣኽኢላን’ያ። ነቲ መሪር መስዋእቲ ዝተኽፈልሉ ቃልሲ ንናጽነት እምበኣር ማዕረ’ቲ መብጻዓኡን ዝተቓለሰሉን ዕላማ ክንደይ ናብኡ ቀሪቡ ወይ ተፈንቲቱ ይርከብ ንምዝርራብ ክልተ ኣጋዪሽ ዓዲምና ኣሎና። ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ካብ ኣመሪካን ዳኒኤል ገብረስላሴ ጋርዛ ካብ ዓዲ እንግሊዝን’ዮም።
🔵 VOA broadcasts regional and international news and programs to Eritrea, Ethiopia and the rest of the world.
» ሳብስክራይ ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ትግርኛ: bit.ly/3u1DtWs
» ንተወሳኺ ቪድዮታት ንናይ ዩቲብ ቻነልና ተኸታተሉ: ru-vid.com/show-VOATi...
ድምጺ ኣሜሪካ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓለለኸ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ኮይኑ ዜናን ሓበሬታን ብ40 ቋንቋታት ን236.8 ሚልዮን ሰሙናዊ ሰማዕቲ ይበጽሕ:: ድምጺ ኣሜሪካ ትሕዝትኡ ብራድዮ: ቲቪን መርበብ ሓበሬታታትን ይዝርግሕ:: ትሕዝቶ ድምጺ ኣሜሪካ ብናይ ቴሌፎን ኣፕን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን’ውን ክርኸብ ይክኣል:: ብተወሳኺ ብሳተላይት: ብቴሌቭዥን ማእከላይን ሓጺር ማዕበል ሬድዮ ይመሓላለፍ::
ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ 1942 ዝምስረት ጀሚሩ ኩሉ መዓዝናዊ ሸፈነ ዘለዎ ሓቀኛ ሓበሬታ የመሓላልፍ:: ኣብ እዋን ካልኣይ ኹናት ዓለም:ዝሑል ኹናት: ኹናት ኣንጻር ግብረሽበራ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ቃልሲ ንናጽነት ድምጺ ኣሜሪካ ኣብነት ናጽነት ፕረስ’ዩ::
» ንተወሳኺ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታና tigrigna.voanews.com
» ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ / voatigrigna
» ኢንስታግራም / voatigrigna
» ትዊተርን / voatigrigna ክትከታተሉና ትኽእሉ::
23 май 2024