ዕምብረ-ከዋኽብቲ
ብጋዝን ከዋኽብትን ዝቖመ ጣቓ መሰል ነገር
ኑክልየሳዊ መልሰ-ግብሪ
ንዩክልየሳዊ መልሰ-ግብሪ ናይ ሓደ ኮኾብ ማለት እቶም ንዩክልየሳት ሃይድሮጀን ምስ ናይ ሄልዩም ንዩክልየስ ይጋጨዉ እሞ፡ ብመልክዕ ብርሃንን ሙቐትን ጸዓት ካብኡ ይልቀቕ
ስሕበት
ኣብ ኣካላት ኩሉ መተርያላት ዝፍጠር ድርኺት
ጋላክሲ
ብስሕበት ኣብ ነንሕድሕዶም ዝተተሓሓዙ ከዋኽብትን ካልኦት ኣብ ኣድማስ ዝርከቡ ነገራት ዝሓቖፈ ስርዓት
ልሔ
እዛ እንነብረላ መሬት እትርከበሉ ጋላክሲ
ቀዪሕ ዓርሞሽሽ
ጸሓይ ሃይድሮጅን ክትውድእ እንከላ ዝፍጠር ኣዝዩ ገዚፍ ኮኾብ
ጻዕዳ ዲንኪ
ጸዓት ክልውጥ ዘይክእል ኣብ ሙሟት ዝርከብ ኮኾብ
ሱፐርኖቫ
ዝንብጨር ኮኾብ
ኮኾብ ንዩትሮን
ኣብ ምሟት ዝርከብ ኮኾብ
ጸሊም ጒድጓድ
ብርሃን ክገድፎም ዘይክእል መጠን ስሕበት ዘለዎም ዝሞቱ ዓበይቲ ከዋኽብቲ
15 сен 2024