[ ትንቢት ኢሳይያስ 53 ]
4 “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ጌርና ቘጸርናዮ።
5 ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፥ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፥ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።
7 “መከራ ጸገበ፥ ግናኸ ርእሱ ኣዋሪዱ፥ ብትሕትና ተቐበሎ፥ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፥ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።
8 ብግፍዒ ኂዞም ፈረድዎ፥ ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጐቲቶም ወሰድዎ እሞ፥ ቀተልዎ፥ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ እኳ የልቦን። ብምኽንያት ገበን ሕዝብና ተቐትለ።
4 окт 2024