መሬት ዕዳጋ ሓሙስ ዘፍረየቶ ታሪኸኛ መንእሰይ ተላለዩ። ኣብ እዋን ፅንተታዊ ወራር ሰራዊት ሻዕብያ ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ኣትዩ ካብ ህፃን ክሳብ ሽማግለ ንፁሃን ዜጋታትና ብኣልማሚት እናረሸነ ኣረመንያዊ ተግባሩ እንትፍፅም ንሱ ንህይወቱ ከይበቐቐ ብሕቡእ እናቐረፀ ይስንድ ነይሩ። ዝተረሸኑ ንፁሃን ኣራዊት ከይበልዖም እናቐበረ ሓመድ የልብሶም ነበረ። ሽምን ኣድራሻን ዝተሰውኡ ሰባት እናመዝገበን ታሴረኦም እናሓዘን መንነቶም ከተበ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብምስሊ ዝተደገፈ ጨፍጫፍ #ማርያም #ደንገላት ንዓለም ለኻውያን ሚድያታት ብምሃብ ኣቃለዐ። እዚ መንእሰይ 'ዚ ሙሉ ፍፁም ይበሃል። ነርቭታትካ ዝነክእ መደምም ታሪኽ ከውግዐና እዩ ተኸታተሉ።
17 июн 2024