ቅዱስ ሳዊሮስ ናይ ኣንጸኪያ ሊቀ ጳጳስ እዩ። ቅዱስ ሳዊሮስ ኣብ ምስክርነት ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ግዜ ክሓዲያን ኣብ ዝተስእሉ ዓቢ ትምርቲ ዝሃበ ቅዱስ ኣቦ ኢዩ።ብትምርቱ ውን ንመናፍቓን ዝረዐ ቅዱስ ኢዩ።ቅዱስ ሳዊሮስ ዝገደፍልና ንትምርትናን ንበረኸቶም መካፈሊ ዝኾነና ብዛዕባ ድንግልና ድንግል ማርያም ከምዚ ኢሎም መስኪሮም።"ንኣምላኽ ዝወለደት ማርያም ንዘልአለም ድንግል ምዃና ምውላዳ ውን ዘይምርመር ድንቂ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምውላዳ'ውን ብድንግልና ጸኒዓ ከም ዝነበረት ኣረደአ"(ሃይማኖት ኣበው ገጽ 385 ምዕ77፡14)።በረኸቶምን ጸሎቶም ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያ ይኹን ኣሜን
20 фев 2024