25ጥሪ ተአምራት ዝገበረሉ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማእት ኢዩ።ቅዱስ ባስልዮስ“ኦ ሰማዕተ ክርስቶስ ቅዱስ መርቆሬዎስ ነቲ ጸላኢ ጽድቂ ዝኾነ ዑልያኖስ ዶ ቀቲልካዮ፧
መርቆሬዎስ ክጥመቕ ከሎ ፕሉፓዴር ዝብል ስም እዩ ተዋሂብዎ።ትርጉሙ ከኣ መፍቀሬ አብ(ፈታዊ አብ)ማለት እዩ።ስዒቡ ድማ መርቆሬዎስ ተባህለ፡ትርጉሙ ከኣ ገብረእግዚአብሔር (ናይእግዚአብሔር ኣገልጋሊ) ማለት እዩ።ብጥበብን ብፈሪሃ እግዚኣብሔርን ድማ ዓብየ።ቅዱስ ባስልዮስ ድማ ነዚ ተረዲኡ“ኦ ሰማዕተ ክርስቶስ ቅዱስ መርቆሬዎስ ነቲ ጸላኢ ጽድቂ ዝኾነ ዑልያኖስ ዶ ቀቲልካዮ፧ ”ብምባል ሓተቶ።እቲ ስእሊ ቅዱስ መርቆሬዎስ ድማ “እወ” ምባል ርእሱ ኣቕንዐ። ቅዱስ ያሬድ’ውን ‘አድነነ’ ብምባል ይጠቕሶ እዩ።በዚ ድንቂ ግብሪ ድማ ተሓጒሶም እዞም ክልተ ኣሕዋት ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ። እዚ ተአምር ዝተፈጸመሉ 25 ጥሪ ኢዩ።
1 фев 2024