Dehay Eritrea ውዑል ኣልጀርስ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ፈሪሱ እዩ ዝብል ዘረባ እንታይ እዩ?
ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ብዝምልከት፡ ብሸነኽ ትግራይን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶባቱ ሰጊሩ ዝሓዞ ቦታታት ስለዘሎ ጠቕሊሉ ይውጻእ ክበሃል እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣብ ልዑላዊ ዶባቱ ጥራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ። ዶር ኣቢይ ብወገኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶባቱ ሓሊፉ እንተዀይኑ ዝርእን ዘጽንዕን ካብ ሰራዊት ፈደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተዋጽአ ኮሚተ ከምዝመዘዘ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ኩነታት ዘሻቐሎም፡ ሰላምን ምርግጋእን ክልቲኡ ህዝብታት ዝምነዩ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ኰነ ኣካላት ማሕበረ ሰብ ዓለም እቲ ኩነታት በቲ ውዑል ኣልጀርስ ዝደንገጐን ዕርቀ ሰላም 2018 ኣብ ባይታ ተመልኪቱ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘቕስን ነባሪ ፍታሕ ክግበር ይጽውዑ ኣለው።
ንምዃኑ ውዕል ኣልጀርስን ስምምዕ ፕሪቶርያን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ? ንዝብል ሕቶ ዶክተር መብራህቱ ኣተወ ብርሃንን ሓው ሰንጋል ወልደንሰኤን ተዘራሪቦሙሉ ኣለው ክትከታተሉዎ ንዕድም!
ኣዳለውን ኣቕራብን፡ ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
25 መጋቢት 2024
ደሃይ ኤርትራ!
ደሃይ ኤርትራ
24 мар 2024