Dehay Eritrea ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍን ኣባል ሃገራውን ባይቶን ሓርበኛ ተጋዳላይ ሓምድ ሕምድ!
ኣብ ሱዳን ግብጽን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዒራቕ ብስነ-ቅመም እተመረቐ፡ ኣብ ንእስነቱ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸምቢሩ፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ፡ ክሳብ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍ ኮይኑ ዝሰርሐ፤ በሊሕ፡ ተባዕ፡ ጽኑዕ፡ ሃገራዊ ውፉይ ተቓለሳይ ሓምድ ሕምድ፡ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበር ምስ ዝጠለቡ ኣርካናት ብጾቱ፡ ብስርዓት ኢሳይያስ ብዓመጽ ካብ ዝእሰር 22 ዓመቱ ገይሩ ኣሎ። እቲ ንሱን ብጾቱን ዝወልዑዎ ሽግ ሓርነት ግን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ደሚቑ ይበርህ ኣሎ።
ደሃይ ኤርትራ ጽማቛ ዛንታ ናይዚ በሃር ተጋዳላይ ሓምድ ሕምድ ኣቐሪብና ኣሎና፡ ምክትታልኩም ንዕድም!!
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
23 መስከረም 2023
ደሃይ ኤርትራ
22 сен 2023