Fb Official Page : cutt.ly/TtD46Q2
OFFICIAL Albums :
Meat Were : cutt.ly/Hd7a5vr
Aleku : cutt.ly/4d7aVWb
Nabra : cutt.ly/5d7aHVS
Menbar Aydgemnyu : cutt.ly/Yd7aI0m
An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.
All rights reserved ® HABESHA PLUS
/ habeshaplus
#kirosasfaha #kirosasfahameatwere #eritreanmusic #neweritreanmusic
Lyrics
ኣቲ ድራር ዓይኒዝበሰለት ወይኒ
እንታይ ምኾንኪ ዲኺ ናተይ ተትኾኒ
ኣቲ ድራር ዓይኒዝበሰለት ወይኒ
እንታይ ምኾንኪ ዲኺ ናተይ ተትኾኒ
ኣቲ ጽብቕቲ ሕብሪ ከምዛ መርዓት ላኻ
ትጽምም ኣቢልክስ ናተይ ኮንኪ ብኻ
ኣቲ ጽብቕቲ ሕብሪ ከምዛ መርዓት ላኻ
ትጽምም ኣቢልክስ ናተይ ኮንኪ ብኻ
ኣቲ ሽኮር ቆልዓ ብሩር ኣብ ክሳዳ
ኣቲ ተፈታዊት ዘይንገር ጉዳ
ምስ ተፈለኽንስ ፈትየኪ ዝያዳ
ወላ ይሕሰመኒ ይደራዕ ጸገመይ
ወላ ስኢነኪ ይጸሙ ዓለመይ
የፍቅረኪ እየ ከምታ ናይቀደመይ
ኣሃኣሃይ ላሎየ
ኣሃኣሃይ ላሎ
ኣሃኣሃይ ላሎየ
ኣሃኣሃይ ላሎ
ከይተወዳኣኒ እዘን ውሑዳት ዕድመ
እንተዝሪኤኪ ብዓይነይ ደጊመ
ተጋጊኺ እምበሪ መሲልኪ ከምኡ
ምንባር’ዩ ኹሉ ምሳይ ኮነ ምስኡ
ላለ ለ ላለይ
መን’ኻ ኣታ ምስ ፍቕሪ ትውዕል
ኣማልደኒ እስከ ክነዕልል
ከማዓልካ ፍቕሪ ከማዓልካ
ኣታ መዳለዊ ከማዓልካ
ንስኻ’ውን ብላዕ’ዶ ለሚድካ
ፍቕሪ ጠላም ፍቕሪ’ታ ካሓዲ
መደብ ሂብካ’ስ መንጢልካኒ ንእዲ
ላሎየ
ኣቲ ዕባይ ጠስሚ
ላሎየ
ዕባይ ናይ ኣጅቦ
ላሎየ
ምሒር ናፍቖትኪ
ላሎየ
ኣስኢኑኒ ሓቦ
ላሎየ
ማዓር ከናፍርኪ
ላሎየ
ማዓስየ ዝረኽቦ
ላሎየ ላሎ
ከመይ’ሎ ኢልኪ ኣይትሕተትለይ
ከመይ’ሎ ኢልኪ ኣይትሕተትለይ
ነጊረኪ እንድየ ምሳይ ከለኺ
ነጊረኪ እንድየ ኣብ ሕቑፎይ ከለኺ
እንታይ ከም ዝኸውን ብድሕሬኺ
እምበር ኣዋልድ’ሲ ኣይ ከም ሎምን
ጎደናታት ቆናጁ ይዛሪ
ኣበይ’ሞ ሓንሳብ ኾይኑ ፍቕሪ
ዘይድገም እንድዩ ኾይኑ ፍቕሪ
ኣበይ’ሞ ሓንሳብ ኾይኑ ፍቕሪ
ዘይድገም እንድዩ ኾይኑ ፍቕሪ
ኣሚነ’የ ኣቲ ሽኮር ቆልዓ
ኣጥፊኤኪ’ዶ እዋይ ሳኣን መርዓ
ኣሚነ’የ ኣቲ ሽኮር ቆልዓ
ኣጥፊኤኪ’ዶ እዋይ ሳኣን መርዓ
ሃሲኽያ ልበይ ተኾሊፋ
ሸተት ኢልክኒ እዋይ ሳኣን ናቕፋ
ሃሲኽያ ልበይ ተኾሊፋ
ሸተት ኢልክኒ እዋይ ሳኣን ናቕፋ
ሓሸው ገዳይለ ክብል ኢለ
ሸው ገዳይለ
ሓሸው ገዳይለ ክብል ኢለ
ሸው ገዳይለ
ፍትውተይ’የ እንካብ ንፈላለ
ሸው ገዳይለ
ክሳብ ሎሚ ኣለኹ ከምኣይለ
ሸውገዳይለ
የልዕለኪ ምስ ባዓል እከለ
ሸውገዳይለ
ብሒትክዮ ዕላለይ ዘበለ
ሸውገዳይለ
ሓሸው ገዳይለ ክብል ኢለ
ሸው ገዳይለ
ሓሸው ገዳይለ ክብል ኢለ
ሸው ገዳይለ
ሓደ ባእታ እንካብ ኣካላተይ
ሸውገዳይለ
ከቢድዎ ትእዛዝ ናይ የዒንተይ
ሸውገዳይለ
ቀዲምኒ ሞይቱ ቅድሚ ሞተይ
ሸውገዳይለ
ብሰንክኺ እኳዩ’ቲ ደመተይ
ሸውገዳይለ
ኣነቲ ኣነ ኣነቲ ኣነ
ይዝክረኪ’ለኹ ኣብታ ንፈልጣ ኾይነ
ኣነወ ኣነ ኣነቲ ኣነ ይናፍቐኪ’ለኹ
ኣብታ ንፈልጣ ኾይነ
ኣቲ ዕባይ ጠስሚ
ዕባይ ናይ ኣጅቦ
ዕባይ ቀይሕ ሓመድ
ኣቲ ዕባይ ካምቦ
ዓይነይ ከይሪኤኪ
ከዊልኒ እምባ
እግረይ ከይመጻኪ
ከልኪልኒ ሩባ
ወላ ከምዛ ሓፍተይ
ኣብጥቓይ ኩኒ’ባ
ወላ ከም ጎሮቤት
ኣብጥቓይ ኩኒ’ባ
ኤሄ... ኤሄ... ኢሂ...
ወይ ኣነ ጉደ’የ ኣነ ጉደ’የ
ኮኾብ ክሕዝ ደልየ ዘየርክቦ ብኢደይ
ወይ ኣነ ጉደ’የ ኣነ ጉደ’የ
ኋል ሰብ ናፊቑስ ምኽኣል ስኢኑ ከብደይ
ኣነቲ ኣነ ኣነቲ ኣነ
ይዝክረኪ’ለኹ ኣብታ ንፈልጣ ኾይነ
ኣነወ ኣነ ኣነቲ ኣነ ይናፍቐኪ’ለኹ
ኣብታ ንፈልጣ ኾይነ
ኣቲ ዕባይ ጠስሚ
ዕባይ ናይ ኣጅቦ
ዕባይ ቀይሕ ሓመድ
ኣቲ ዕባይ ካምቦ
ዓይነይ ከይሪኤኪ
ከዊልኒ እምባ
እግረይ ከይመጻኪ
ከልኪልኒ ሩባ
ወላ ከምዛ ሓፍተይ
ኣብጥቓይ ኩኒ’ባ
ወላ ከም ጎሮቤት
ኣብጥቓይ ኩኒ’ባ
ኤሄ... ኤሄ...
ወይ ኣነ ጉደ’የ ኣነ ጉደ’የ
ኮኾብ ክሕዝ ደልየ ዘየርክቦ ብኢደይ
ወይ ኣነ ጉደ’የ ኣነ ጉደ’የ
ኋል ሰብ ናፊቑስ ምኽኣል ስኢኑ ከብደይ
10 сен 2024