ጽባሕ ገንጻሊ ማህደር
አብ ጽባሕካ ፣ ሰላምን ቅሳነትን ክህልወካ ፡ካብ ትማልኻ ተማሂርካ ኣብ ሎሚኻ ንጽባሕካ ሙሩጽ ዘርኢ ዝራእ፡
ንምንታይሲ ጽባሕ ዝዘራእካዮ ኢዩ ዘበርክተልካ ።
ኩቡር ሰማዒ ኩሉ እዚ እትሪኦ ትማሊ ዝተዘርአ እዩ' ሎሚ ብእትርእዮ ኣይትግረም
ንምንታሲ ኣብ ሳዕቤን ምዝራብ ክትማህረሉ ዳኣምበር ዝጠፈአ ምስ ጠፈአ እተድምዖ የልቦን ። ትማል ፉጡር ከማኻ ክብደልን ክውጻዕን ዓገብ ዘይምባል ውጺኢቱን ሳዕቤኑ ተደሚሩ እዚ ይኸውን ። ዋላኳ ልብኻ ሓዳግ ኮይኑ ፡ እቕረ ባሃሊ እንተኾንካ ፣ ጽባሕ ግን ብጉቦ ብገንዘብ ብሓይሊ ባጽዋር ዘይጥበር ብጣዕሳ ዘይምለስ ሓቅኛ ፈራዲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ።
ሕውነትን ፍቕርን ይሰስን
ንጽባሕ ኩሉና ሰናይ እምነ
ኣብራር ዑስማን
/ @abrarosmanart
FB Page: / abrarosman100
2 окт 2024