ሓጺር ድሕሪ ባይታ ናይ ካህሊል ጂብራን[i]
ጂብራን ኻሊል (Gibran Khalil) ኣብ 6 ጥሪ 1883 ኣብ ከተማ ብሻሪ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ሊባኖስ ተወሊዱ። ኣዲኡ ካሚላ ትበሃል ነበረት። ኣቡኡ ድማ ኻሊል ይበሃል ነበረ። ካሚላ ንኻሊል መበል ሳልሰይቲ ሰበይቱ ነበረት። ብሰንኪ ሳዕቤን ድኽነት ናይ’ታ ስድራ ድማ ጂብራን ስሩዕ ትምህርቲ ኣይተማህረን። ይኹን ደኣምበር ኣቕሽቲ፡ ብስሩዕ መጽሓፍ-ቅዱስን ቛንቋ ዓረብን ካለኦት ቋንቋታት ሶሪያን መሃርዎ።
ኣቦኡ ንጂብራን ማለት ኻሊል፡ ተቛማራይን ብዕዳ ዝተታሕዘን ነበረ። ኣብ ፍሉይ እዋን ድማ፡ ዕዱኡ ንምኽፋል ኣብ ምምሕዳር ግዝኣት ኦቶማን ተቆጺሩ ክሰርሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን’ውን እንተኾነ፡ ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ኣብ ቤት-ሞቑሕ ተዳጎነ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንብረቱ ተሓረጀ። ብድሕሪ’ዚ ካሚላ፡ ካብ ፍጹም ስእነት ንምግልጋል ንጂብራንን ንኸልተ ናእሽቱ ኣሓቱን ንዓቢ ሓዉን ሒዛ፡ ናብ’ቲ ቕድሚኣ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ዝነበረ ዓቢ ሓዋ፡ ናብ ስደት ኣምረሐት።
ኣብ ሰነ 1895 ድማ ካሚላ ምስ ደቃ ሕ. መ. ኣመሪካ (ቦስቶን) ኣተወት። ኣብ መስከረም 1895 ጂብራን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክምዝገብ እንከሎ፡ ስሙ ብጌጋ ካህሊል ጂብራን (Kahlil Gibran) ተባሂሉ ተመዝገበ። ካብኡ ንደሓር ካህሊል ጂብራን ተባሂሉ ተጸወዐ። ካህሊል ወዲ 15 ዓመት ምስኮነ ብምኽሪ ኣዲኡን ዓቢ ሓውን፡ ናብ ሊባኖስ ተመሊሱ መበቆሉ ከጽንዕ ወሰነ። ናይ ካልኣይ ደረጃን መፈልምታ ላዕለዋይ ትምህርቱ ኣብ ሊባኖስ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ኣብ 1902፡ ከምብሓድሽ፡ ናብ ቦስቶን፡ ኣመሪካ ተመልሰ። ናብ ቦስቶን ድሕሪ ምምላሱ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ሓንቲ ሓፍቱ ብሰንኪ ሕማም ዓባይ ሰዓል (ቲቢ) ዓረፈት። እቲ ዓቢ ሓዉ’ውን ደሕሪ ሓደ ዓመት ብተመሳሳሊ ሕማም ዓረፈ። ኣዲኡ’ውን ስዒባ ብሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ካብ ዓለም ተፈልየት። ብድሕሪ’ዚ፡ ንካህሊል እታ እንኮ ዝተረፈት ሓፍቱ ትኣልዮ ነበረት።
እዚ ይኹን ደኣምበር፡ ካህሊል ስነጥበባዊ ፍርያቱ ከላልን፡ ምስ ውሩያት ሰባት ክፋለጥን ጊዜ ኣይወሰድሉን። ናይ መጀመርታ ስነ-ጥበባውያን ድርሰታቱ ብቛንቋ ዓረብ እኳ ኣንተነበሩ፥ ኣብ ሓጺር እዋን ብቛንቋ ኢንግሊዝ ክደርስ ጀመረ። ኣዝዮም ብዙሓት ሰነጥበባውያን ደርሰታትን ስራሓትን ድማ ኣፍረየ። “እቲ ነቢይ” (‘The Prophet”) ዘርእስታ ድርሰቱ፡ ካብ ኩለን እተን ዝደረስን መጻሕፍቲ እታ ኣዝያ ውርይቲ (ህብብቲ) ዝኾነት ስነጥበባዊት ድርስቱ እያ። ከም ውጽኢት ናይ ኩሉ ስነ-ጥበባዊ ድርስታቱን ጽሑፋቱን ድማ፡ ናይ ዕስራ ክፍለ ዘመን ኣዝዩ ውሩይ ስነጥበባዊ ደራሲ ኣብ ሕ. መ. ኣ. ተባሂሉ ክፍለጥ እንከሎ፥ ደድሕሪ ሽክስፒርን ላኡትጻን (Shakespeare and Lao-Tzu) ዝስራዕ ኣዝዩ ውሩይ ስነጥበባዊ ደራሲ ኣብ ዓለም ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝበቕዐ ደራሲ እዩ። ካህሊል ጂብራን፡ ኣብ መበል 48 ዓመቱ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1931፡ ኣብ ኒውዮርክ (ሕ.መ.ኣ) ዓረፈ።
ሌላ ምስ ድርሰት “እቲ ነቢይ”
እዛ “እቲ ነቢይ” ዘርእስታ ድርሰት፡ ኣብ 1923 ትሓቲማ ካብ እትዝርጋሕ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ማለት ብድሕሪ ልዕሊ 90 ዓመታት’ውን እንተኾነ፡ ኣዝያ ጠቓሚትን ውርይትን ብቐጻሊ እናተሓትመት እትዝርጋሕ ዘላ መጽሓፍ እያ። ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ፡ ናብ ልዕሊ 40 ቛንቋታት ተተርጉማ ኣላ። እሞኸ ደኣ ክሳብ ክንዲ'ዚ ዝኣክል ተነባቢትን ጠቓሚትን ክገብራ ዝኸእለ ሚስጥር እንታይ ኮን ይኸውን?
እዛ ንኡሽተይ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ፡ መርዓ፡ ህጻናት፡ ህያብ፡ ብልዕን መስተን፡ ስራሕን ዕዮን፡ ሓጎስን ጓህን፡ ኣባይቲ፡ ክዳውንትን፡ ምሻጥን ምግዛእን፡ ሕግታትን፡ ንነጻነትን፡ ርትዒን ፍትወትን፡ ስቅያትን፡ ርእሰ-ግንዛበን፡ ምስትምሃርን፡ ዕርክነትን፡ ዘረባን፡ ግዜን፡ ጽቡቕ ግብርን ክፍኣትን፡ ጸሎትን፡ ርውየትን፡ ንጽባቐን፡ ሃይማኖትን፡ ንሞትን ናይ መወዳእታ ናይ ስንብታ ቃልን ዝሓቆፈት መጽሓፍ እያ።
እዘን ኣስታት 26 ኣርእስትታት (ሕቶታት)፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይኹን ንመጻኢ ንመነባብሮ ደቂ-ሰባት ኣዝየን ዘገድሳ ሸነኻት ህይወት እየን። ደራሲ ብኣዝዩ ዓሚቕን ዝምስጥን ስነ-ጥበባዊ ክእለት ንኹለን እተን ሕቶታት መልስታትን መብሪሂታትን ሂቡለን ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ሚልዮናት ኣንበብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ንመልሲታት እቲ ነቢይ ብህድኣትን ብምሉእ ኣቓልቦን ኣንቢቦሞ፥ ናይ’ቲ ኣብቲ ቃላት ተወቂጡ (ተዓቒሩ) ዘሎ ትርጉምን መቐረትን ጽባቐን፡ ብቐንዱ ድማ ነቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ኣንበብቲ ዝገሃድን ዘጋጥምን ክውንነትን ትዕዝብትን ስለእተንጸባርቕን፡ ሓቅነት እተግህድን፡ ተደላይነት ናይ’ዛ መጽሓፍ፡ ዕዙዝን ቀጻልን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
ስለምንታይ ምትርጓም ኣድለየ?
እዛ “እቲ ነቢይ” ዘርእስታ ናይ ካህሊል ጂብራን ድርሰት ናብ ትግርይና ንኽትርጎም ካብ ዝደረኹ ምኽንያታት እቲ ቐንዲ
ንመሰረታውያን ሸነኻት ህይወት ብዑምቀት ትምርምር ብምዃናን፥ ትሕዝቶ ናይ’ታ መጽሓፍ፡ ምስ ድሕሪ ባይታ መብቆላዊ ሰረታትን ኣምነትን ባህልን ሊባኖስ፡ ምስ ባህልን፡ ኣምነትን፡ ልምድን ሰማዊ ቛንቛ ዝዛረቡ ህዝብታት ዝዛመድን ዝመሳሰልን ብምዃኑ እዩ። ስርዓተ ኣተራርኻን ኣጸሓሕፋን ደራሲ፡ ካብ ሰማዊ ቛንቋ ዓረብ ስለዝብገስ፡ ነቶም ቀንዲ ሓሳባትን ኣምራትን ብሰማዊ ቛንቋ ትግርይና ምትርጓም ንትሕዝቶን ተነባብነትን ተጠቃምነትን ኣዝዩ ከምዘስፍሕ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።
15 окт 2020