Тёмный

እቲ ነቢይ (The prophet - Kahlil Gibran) Tigrinya translation 

Mesfin Gebremedhin
Подписаться 785
Просмотров 21 тыс.
50% 1

ሓጺር ድሕሪ ባይታ ናይ ካህሊል ጂብራን[i]
ጂብራን ኻሊል (Gibran Khalil) ኣብ 6 ጥሪ 1883 ኣብ ከተማ ብሻሪ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ሊባኖስ ተወሊዱ። ኣዲኡ ካሚላ ትበሃል ነበረት። ኣቡኡ ድማ ኻሊል ይበሃል ነበረ። ካሚላ ንኻሊል መበል ሳልሰይቲ ሰበይቱ ነበረት። ብሰንኪ ሳዕቤን ድኽነት ናይ’ታ ስድራ ድማ ጂብራን ስሩዕ ትምህርቲ ኣይተማህረን። ይኹን ደኣምበር ኣቕሽቲ፡ ብስሩዕ መጽሓፍ-ቅዱስን ቛንቋ ዓረብን ካለኦት ቋንቋታት ሶሪያን መሃርዎ።
ኣቦኡ ንጂብራን ማለት ኻሊል፡ ተቛማራይን ብዕዳ ዝተታሕዘን ነበረ። ኣብ ፍሉይ እዋን ድማ፡ ዕዱኡ ንምኽፋል ኣብ ምምሕዳር ግዝኣት ኦቶማን ተቆጺሩ ክሰርሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን’ውን እንተኾነ፡ ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ኣብ ቤት-ሞቑሕ ተዳጎነ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንብረቱ ተሓረጀ። ብድሕሪ’ዚ ካሚላ፡ ካብ ፍጹም ስእነት ንምግልጋል ንጂብራንን ንኸልተ ናእሽቱ ኣሓቱን ንዓቢ ሓዉን ሒዛ፡ ናብ’ቲ ቕድሚኣ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ዝነበረ ዓቢ ሓዋ፡ ናብ ስደት ኣምረሐት።
ኣብ ሰነ 1895 ድማ ካሚላ ምስ ደቃ ሕ. መ. ኣመሪካ (ቦስቶን) ኣተወት። ኣብ መስከረም 1895 ጂብራን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክምዝገብ እንከሎ፡ ስሙ ብጌጋ ካህሊል ጂብራን (Kahlil Gibran) ተባሂሉ ተመዝገበ። ካብኡ ንደሓር ካህሊል ጂብራን ተባሂሉ ተጸወዐ። ካህሊል ወዲ 15 ዓመት ምስኮነ ብምኽሪ ኣዲኡን ዓቢ ሓውን፡ ናብ ሊባኖስ ተመሊሱ መበቆሉ ከጽንዕ ወሰነ። ናይ ካልኣይ ደረጃን መፈልምታ ላዕለዋይ ትምህርቱ ኣብ ሊባኖስ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ኣብ 1902፡ ከምብሓድሽ፡ ናብ ቦስቶን፡ ኣመሪካ ተመልሰ። ናብ ቦስቶን ድሕሪ ምምላሱ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ሓንቲ ሓፍቱ ብሰንኪ ሕማም ዓባይ ሰዓል (ቲቢ) ዓረፈት። እቲ ዓቢ ሓዉ’ውን ደሕሪ ሓደ ዓመት ብተመሳሳሊ ሕማም ዓረፈ። ኣዲኡ’ውን ስዒባ ብሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ካብ ዓለም ተፈልየት። ብድሕሪ’ዚ፡ ንካህሊል እታ እንኮ ዝተረፈት ሓፍቱ ትኣልዮ ነበረት።
እዚ ይኹን ደኣምበር፡ ካህሊል ስነጥበባዊ ፍርያቱ ከላልን፡ ምስ ውሩያት ሰባት ክፋለጥን ጊዜ ኣይወሰድሉን። ናይ መጀመርታ ስነ-ጥበባውያን ድርሰታቱ ብቛንቋ ዓረብ እኳ ኣንተነበሩ፥ ኣብ ሓጺር እዋን ብቛንቋ ኢንግሊዝ ክደርስ ጀመረ። ኣዝዮም ብዙሓት ሰነጥበባውያን ደርሰታትን ስራሓትን ድማ ኣፍረየ። “እቲ ነቢይ” (‘The Prophet”) ዘርእስታ ድርሰቱ፡ ካብ ኩለን እተን ዝደረስን መጻሕፍቲ እታ ኣዝያ ውርይቲ (ህብብቲ) ዝኾነት ስነጥበባዊት ድርስቱ እያ። ከም ውጽኢት ናይ ኩሉ ስነ-ጥበባዊ ድርስታቱን ጽሑፋቱን ድማ፡ ናይ ዕስራ ክፍለ ዘመን ኣዝዩ ውሩይ ስነጥበባዊ ደራሲ ኣብ ሕ. መ. ኣ. ተባሂሉ ክፍለጥ እንከሎ፥ ደድሕሪ ሽክስፒርን ላኡትጻን (Shakespeare and Lao-Tzu) ዝስራዕ ኣዝዩ ውሩይ ስነጥበባዊ ደራሲ ኣብ ዓለም ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝበቕዐ ደራሲ እዩ። ካህሊል ጂብራን፡ ኣብ መበል 48 ዓመቱ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1931፡ ኣብ ኒውዮርክ (ሕ.መ.ኣ) ዓረፈ።
ሌላ ምስ ድርሰት “እቲ ነቢይ”
እዛ “እቲ ነቢይ” ዘርእስታ ድርሰት፡ ኣብ 1923 ትሓቲማ ካብ እትዝርጋሕ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ማለት ብድሕሪ ልዕሊ 90 ዓመታት’ውን እንተኾነ፡ ኣዝያ ጠቓሚትን ውርይትን ብቐጻሊ እናተሓትመት እትዝርጋሕ ዘላ መጽሓፍ እያ። ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ፡ ናብ ልዕሊ 40 ቛንቋታት ተተርጉማ ኣላ። እሞኸ ደኣ ክሳብ ክንዲ'ዚ ዝኣክል ተነባቢትን ጠቓሚትን ክገብራ ዝኸእለ ሚስጥር እንታይ ኮን ይኸውን?
እዛ ንኡሽተይ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ፡ መርዓ፡ ህጻናት፡ ህያብ፡ ብልዕን መስተን፡ ስራሕን ዕዮን፡ ሓጎስን ጓህን፡ ኣባይቲ፡ ክዳውንትን፡ ምሻጥን ምግዛእን፡ ሕግታትን፡ ንነጻነትን፡ ርትዒን ፍትወትን፡ ስቅያትን፡ ርእሰ-ግንዛበን፡ ምስትምሃርን፡ ዕርክነትን፡ ዘረባን፡ ግዜን፡ ጽቡቕ ግብርን ክፍኣትን፡ ጸሎትን፡ ርውየትን፡ ንጽባቐን፡ ሃይማኖትን፡ ንሞትን ናይ መወዳእታ ናይ ስንብታ ቃልን ዝሓቆፈት መጽሓፍ እያ።
እዘን ኣስታት 26 ኣርእስትታት (ሕቶታት)፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይኹን ንመጻኢ ንመነባብሮ ደቂ-ሰባት ኣዝየን ዘገድሳ ሸነኻት ህይወት እየን። ደራሲ ብኣዝዩ ዓሚቕን ዝምስጥን ስነ-ጥበባዊ ክእለት ንኹለን እተን ሕቶታት መልስታትን መብሪሂታትን ሂቡለን ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ሚልዮናት ኣንበብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ንመልሲታት እቲ ነቢይ ብህድኣትን ብምሉእ ኣቓልቦን ኣንቢቦሞ፥ ናይ’ቲ ኣብቲ ቃላት ተወቂጡ (ተዓቒሩ) ዘሎ ትርጉምን መቐረትን ጽባቐን፡ ብቐንዱ ድማ ነቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ኣንበብቲ ዝገሃድን ዘጋጥምን ክውንነትን ትዕዝብትን ስለእተንጸባርቕን፡ ሓቅነት እተግህድን፡ ተደላይነት ናይ’ዛ መጽሓፍ፡ ዕዙዝን ቀጻልን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
ስለምንታይ ምትርጓም ኣድለየ?
እዛ “እቲ ነቢይ” ዘርእስታ ናይ ካህሊል ጂብራን ድርሰት ናብ ትግርይና ንኽትርጎም ካብ ዝደረኹ ምኽንያታት እቲ ቐንዲ
ንመሰረታውያን ሸነኻት ህይወት ብዑምቀት ትምርምር ብምዃናን፥ ትሕዝቶ ናይ’ታ መጽሓፍ፡ ምስ ድሕሪ ባይታ መብቆላዊ ሰረታትን ኣምነትን ባህልን ሊባኖስ፡ ምስ ባህልን፡ ኣምነትን፡ ልምድን ሰማዊ ቛንቛ ዝዛረቡ ህዝብታት ዝዛመድን ዝመሳሰልን ብምዃኑ እዩ። ስርዓተ ኣተራርኻን ኣጸሓሕፋን ደራሲ፡ ካብ ሰማዊ ቛንቋ ዓረብ ስለዝብገስ፡ ነቶም ቀንዲ ሓሳባትን ኣምራትን ብሰማዊ ቛንቋ ትግርይና ምትርጓም ንትሕዝቶን ተነባብነትን ተጠቃምነትን ኣዝዩ ከምዘስፍሕ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

Опубликовано:

 

15 окт 2020

Поделиться:

Ссылка:

Скачать:

Готовим ссылку...

Добавить в:

Мой плейлист
Посмотреть позже
Комментарии : 52   
@er-uq6we
@er-uq6we 2 года назад
ብጣዕሚ ጽብቅቲ መጽሕፍ ክብረት ይሃበልና መስፍን።የግዳ'ሲ ድምጺ ተራኺ ሰሓቢ ኣይኮነን ዘሎ። እንተ'ዝቅየር ሰሓቢትን ደጋጊምካ ትስማዕን መጽሓፍ ምኾነት
@kabilyonas2299
@kabilyonas2299 3 месяца назад
ድምጺ ኣበላሺኩሞ
@gebrehiwotkifle5603
@gebrehiwotkifle5603 2 года назад
የቀን የልና ሓውና ኣምላክ ፊልጠትካ የብዘሓልካ
@Habesha_2024
@Habesha_2024 3 года назад
የቐንየልና ኣቶ መስፍን ግዜኻ ወፊኻ ትረኻ ዝተረኽካልና ብልቢ ነመስግን፡ካልእ መጽሓፍ ሒዝካ ክትመጸና ሃረርታና'ዩ።
@KodenEntertainment
@KodenEntertainment 2 года назад
ru-vid.com/video/%D0%B2%D0%B8%D0%B4%D0%B5%D0%BE-BvWMzS8OHOY.html
@tesfomsimon288
@tesfomsimon288 Год назад
ኣቦናን መምህርናን ኣቶ መመስፍን ወሰን የብሉን ምስጋናይ ብርዕኻ ትሰስን ኣብ ጌዜ ሓካይ ወሓዚ ማይ ኢኻ።
@jesusislordrishan6595
@jesusislordrishan6595 Год назад
ዋውውው ክብረት ይሃበልና ተርጓሚ ኣምላኽ መመሊሱ ይባርኽካ
@mrara3405
@mrara3405 2 года назад
ማህሪትን ልቦናዊት መጽሕፍ ፡የቅንይልና።ግን ብክምዚ ዓይነት ድምጺ ክትምላእ ኣይነበራን ።ሒጅ ውን ቅይርዎ ምስ ናይ ይቅረታ።
@bereketfilmon460
@bereketfilmon460 Год назад
KAB lbi Thank you 🙏 memhr
@danielmengstu4220
@danielmengstu4220 8 месяцев назад
Waw Tehke you
@ariamemun9576
@ariamemun9576 2 года назад
Welcome
@yonasg5433
@yonasg5433 3 года назад
”Let there be spaces in your togetherness” Khalil Gibran
@KodenEntertainment
@KodenEntertainment 2 года назад
ru-vid.com/video/%D0%B2%D0%B8%D0%B4%D0%B5%D0%BE-BvWMzS8OHOY.html
@yemaneteklemaryam1052
@yemaneteklemaryam1052 2 года назад
naybahaki memhr hiwet zkonet mexhaf ya. Thanks Me3sfun hawnann ayanann
@shidenkidane7566
@shidenkidane7566 2 года назад
Thank so much
@realityishealthy.5850
@realityishealthy.5850 2 года назад
Thanks Bro
@KodenEntertainment
@KodenEntertainment 2 года назад
ru-vid.com/video/%D0%B2%D0%B8%D0%B4%D0%B5%D0%BE-BvWMzS8OHOY.html
@nebikuflunebikuflu6701
@nebikuflunebikuflu6701 Год назад
Temti mxhaf nera gn demxe yeln❤
@realityishealthy.5850
@realityishealthy.5850 2 года назад
Dmxka btami hmaq,wedi trungen taimka
@DejenBerhe-sw2rp
@DejenBerhe-sw2rp Год назад
❤️❤️❤️❤️💯💯💯🇪🇷🇪🇷
@mawidezion4893
@mawidezion4893 2 года назад
Good job in time☑️ Voice ❌
@peaceeritrea5261
@peaceeritrea5261 Год назад
ኣንባቢ ቀይርካ እባ ደጊምካ ኣውርዳ
@MyLife-vl9yc
@MyLife-vl9yc 2 года назад
እዚ ዝመስል ወሓለ ዛንታን ኣታራጉማን እናመስገንኩ ስለምንታይ ብኸምዚ ድምጺ ክቀርብ ኪኢሉ?ብፍላይ ኣብ ድምጺ ኣማሓይሽካ እንተትቀርበልና ጽቡቅ ኔሩ ይብል።
@KodenEntertainment
@KodenEntertainment 2 года назад
ru-vid.com/video/%D0%B2%D0%B8%D0%B4%D0%B5%D0%BE-BvWMzS8OHOY.html
@zaksum2398
@zaksum2398 Год назад
ድምጺ ፅቡቅ አይኮነን
@Kara-rk2pu
@Kara-rk2pu 7 месяцев назад
Voice please????
@bellamedia3
@bellamedia3 2 года назад
ክቡር ተርጓምን ደራስን ፡ ስለ'ቲ ዓብይ ኣበርክቶኻ ኣዚና ነመስግነካ፡ ሓሳባትካ ይሰሰን ፡ ኣይትተሓለል፡ ብርዕኻ ትፈልፍል። መሳጢ ንምግባሩ እቲ ምኽንያቱ ንጹር ዘይኮነ ኢፈክት ኣብ ድምጺ ዘሎ እንተዝእለ፡ ወይ እውን ብድምጺ ምኩራት ኣንበብቲ ሰብ ሞያ ደጊማ 'ተትንበብ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ደጊመ የመስግነካ።
@Gl.f
@Gl.f Год назад
Tsubuq aleka tebarek. Bsenki anbiba dmxi anbebti zeymmraxin kemey zbele mexihaf e u ktsemio asechawi zkewin.
@user-mh3fb6kw9c
@user-mh3fb6kw9c 8 месяцев назад
ጥዕምትን መሃሪትን ከላ እቲ ድምጺ ሕማቅ ኮይኑ ስምዓያ ዘይመጸካ
@m.nassirsalih4148
@m.nassirsalih4148 8 месяцев назад
ተራኺ ንምትራኽ ዝኸውን ድምጺ ከምዘይብሉ ከይፈልጥ ይኽእል እዩ።ትርኻ ተውህቦ ዳኣ እንበር ፍልጠት ኣይኮነን።ስለዚ ተራኺ ፈላጥ ክኸውን ይኽእል እዩ ናይ ምትራኽ ተኽእሎ ግን ኣይተዓደሎን ወላ ጻዕሪውን ኣይገበረን።ናይ ህጻን ድምጺን ህውኹን እዩ።ስለዚ ብኻልእ ሰብ ዳግም ክትረኽ ዝግባኣ መጽሓፍ እያ።ምክንታዩ ዝግባኣ መጽሓፍ እያ።
@user-yy7vw5fp1e
@user-yy7vw5fp1e 8 месяцев назад
እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ብልጽቲ ኢያ እቲ ተራኺ ተኽይርዎ
@mmsaed4630
@mmsaed4630 2 года назад
Improve your voice.
@Teki1926
@Teki1926 Год назад
Thanks do much for proper our laungage, i want leasen your history ,but your voic not good.please change your voic or reader change.
@kabilyonas2299
@kabilyonas2299 Год назад
ከተጽሉኡ ንምንታይ ብ ጥዑይ ድምጺ ዘይትዝርግሕዋ ሳክት ኢኩም ኣይትረብሑን ጽቡቅ ክላሲካል ጥዑም ጥዑይ ድምጺ ጌርኩም ክትዝርግሑ ኣይትክእሉን ጉሓፋት
@ronaldoneymarjr3345
@ronaldoneymarjr3345 Год назад
😂😂😂😂😂😂😂
@2688mki
@2688mki Год назад
እዛ መጽሓፍ ኣበይ ክረኽባ ይኽእል፣?
@mesfingebremedhin7922
@mesfingebremedhin7922 Год назад
www.amazon.co.uk/%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%89%A2%E1%8B%AD-Prophet-Tigrinya-Translation-ebook/dp/B08G1RC2RK/ref=mp_s_a_1_1?crid=3HIUTOO7MRL0D&keywords=mesfin+gebremedhin&qid=1670187313&sprefix=mesfin+gebremedhin%2Caps%2C98&sr=8-1
@rami24656
@rami24656 2 года назад
ኣንባቢ ማሕስእ ሓጋይ ዘቅባብ ኮይኑ
@user-tl2en9cy2p
@user-tl2en9cy2p 2 года назад
ነሽነሽ መንከሽከሽ ኮይኑ ይስምዓካ ክክክክ
@Tekle993
@Tekle993 9 месяцев назад
kkkkkkk
@halenamotivation5065
@halenamotivation5065 4 месяца назад
Kkkkk
@bahriherani4060
@bahriherani4060 Год назад
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ደልየ ስኢንስያ ካብ ጀርመን
@mesfingebremedhin7922
@mesfingebremedhin7922 Год назад
www.amazon.co.uk/%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%89%A2%E1%8B%AD-Prophet-Tigrinya-Translation-ebook/dp/B08G1RC2RK/ref=mp_s_a_1_1?crid=3HIUTOO7MRL0D&keywords=mesfin+gebremedhin&qid=1670187313&sprefix=mesfin+gebremedhin%2Caps%2C98&sr=8-1
@user-gn3gv8cv7t
@user-gn3gv8cv7t Год назад
@@mesfingebremedhin7922 ዛ መጽሓፍካ ዘይትምኖ ክድቅስ ከለኩ ቀጻሊ ዝሰምዓ። ለንቀነ ግን ብካልእ ሰብ ተተርጊማ ኣላ ።ካልእ መጽሓፍ ከ ኣለካ ዶ።
@BereketAlemayehu-gv6eh
@BereketAlemayehu-gv6eh 5 месяцев назад
እቴ ድምፅኻ አብ ውሽጢ በርሚል ኮይንካ ዝተቀረፀ እዩ ዝመስል ገዋሕታ አለዎ አስተኻኽል ።እቲ ተበግሶ ግን ፅቡቅ እዩ ኮምፒተራይዝድ ይመስል።
@Awet607
@Awet607 11 месяцев назад
እዛ መጽሓፍካ ኣብ ዩ'ቱብ ከንብባ ፍቓደኛ ዲኻ፧
@abeltekle3313
@abeltekle3313 2 месяца назад
ኣናብባኻ ረባሺ ኢዩ.
Далее
DOTA 2 - КЛАССИКА
19:17
Просмотров 187 тыс.
Ручка из шланга, лайфхак
00:11
Просмотров 16 тыс.
DOTA 2 - КЛАССИКА
19:17
Просмотров 187 тыс.