ምስሉ ሚድያታት ትግራይ ተቐባቢለነኦ። ውሑዳት ዘይባሃሉ ከየንቲ ኣብ ክሊፖም ተጠቒመምሉ። ኣብ ምፍላም ኲናት 2013 ዓ/ም ኣእዛንን ኣዒንትን ህዝብና ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ንምቁማትን ንምፅንፃንን ይፀምኣሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ንዝተወቕዐት ኢዱ ብፋሻ ጠምጢሙ ምስ ብፃቱ ኮይኑ ሓቦ ዘልብስ መልእኽቲ እናሕለፈ ተርኣየ። ድሕሪ ተኣምር ዝመስል ዘይተገመተ ዓወት ዝተኻየደ ርሱን ወነ ህዝቢ ትግራይ ዘቀፃፅል መልእኽቲ ብምንባሩ ኣብ ልቢ ሰፊሕ ህዝቢ ኣተወ። እዚ ዳንቡሽ ጅግና መንእሰይ መሬት ኣበርገለ የጭላ ዘፍረየቶ ተጋዳላይ ግርማይ ኣዳነ(ጃምቦ) ይበሃል። ልዕሊ 5 ዓመት ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2012 ዓ/ም ፃውዒት ዓዶም ተቐቢሎም ናብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ዝተፀንበሩ ጀጋኑ ሓደ እዩ። ብርክት ዝበሉ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፉ። ሰለስተ ግዜ ከበድቲ መውጋእቲ ኣጋጢሞሞ ንምእማኑ ብዝኸብድ መልክዑ ብህይወት ኣሎ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ከለዉ ናብ ማእኸል መቐለ ኣትዩ ብሕቡእ ይሕከም ነይሩ፣ ኣብ ከይላ ብሰራዊት ፀላእቱ ተታሒዙ፣ ንልዕሊ ዓመትን ፈረቓን ዓይነ ስዉር ኮይኑ ነይሩ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሕክምና ከይዱ ምስ ወታደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ክሕከም ተገይሩ። ከመይ ኢሉማ ድሒኑ?
ንምእማኑ ዝኸብድ ተኣምር ዘብል ታሪኹ ምስ ፕሎት ሚድያ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ክትሰምዕዎ ኢኹም።
30 ноя 2023