Dehay Eritrea ደምበ ፍትሒ ዓቕሙ ምስ ዘሕብር ጥራይ እዩ ዝዕወት!
ኣብ ፖለቲካ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክትገጥም እንተዀንካ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ኣወንዚፍካ ኣብ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ዘተኵር፡ ከሰማምዓካ ብዝኽእል ዝተሓተ ፕሮግራም ምስራሕ ክስገር ዘይብሉ ኣማራጺ እዩ። ኣብ ኤርትራውያን ደምበ ፍትሒ ከኣ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዝምድናን ኣተሓሳስባን እኳ እንተሎ፡ ፍትሓዊት ደሞክራሲዊት ቅዋማዊት ሃገር ንምህናጽ ኣንጻር ምልኪ ኣብ ዝካየድ ጥምጥም ዓቕምታትካን ጸጋታትካን ምውህሃድ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ክልተ ተቓለስቲ አሕዋት ዘርእስላሰ ሽከርን ኣዳም ገብሪሂወትን ብዛዕባ’ዚ ሓሳብ እንታይ ከምዝብሉ ሓቢርና ንከታተሎም!
ኣዳላውን ኣቕራብን ግሎባል ይኣክል ሊድስ
16 ሚያዝያ 2024
ደሃይ ኤርትራ
8 окт 2024